ኣብ ከተማ ስያትል ሓደጋ መኪና ዝፈጸመ ኤርትራዊ ክሲ ተመስሪትሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዝነበሩ ክልተ ሰልፈኛታት ብመኪና ከም ዝሃረመ ዘተገለጸ ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ክሲ ተመስሪቱሉ።
ኣብ ኣመሪካ፡ ከተማ ሲያትል ዝቕመጥ ዳዊት ቀለተ ዝተብሃለ ወዲ 27 ዓመት፡ ኣብታ ከተማ ንሰላማዊ ሰልፊ ተዓጽዩ ኣብ ዝነበረ ጽርግያ ነቲ ሓደጋ ከም ዝፈጸሞ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽየትድ ፕረስ ጸብጺቡ።
እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካል ናይቲ ንጭካነታት ፖሊስ ንምቅዋም ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ኣሜሪካን ዓለምን ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት እዩ።
ኣኽባር ሕጊ ክፍለሃገር ዋሽንግተን፡ ብተሽከርካሪ ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ብተሽከርካሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ግዲ ዘይብሉ ኣዘዋውራን ዝብሉ ሰለስተ ክስታት ኣብ ልዕሊ ዳዊት ከምዝመስረተን ን22 ሓምለ ናብ ፍርዲ ከም ዝቐርብን ናይ 1.2 ሚልዮን ዶላር ዋሕስ ከም ዝሕተትን እቲ ጸብጻብ ኣረዲኡ።
ካብቶም በቲ ሓደጋ ዝተሃረሙ ክልተ ሰልፈኛታት ጓል 24 ዓመት ሳመር ተይለር፡ ድሕሪ ሰዓታት ህይወታ ክሓልፍ ከሎ፡ ጓል 32 ዓመት ዳያዝ ላቭ ኣብ ሕክምና ክትትል ይግበረላ ኣሎ።
ዳያዝ ላቭ፡ ኣብ ኣእጋራን ኣእዳውን መስበርቲ ከም ዘለዋ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣፍሊጦም።
ጠበቕኡ ጆን ሄንሪ ግና፡ ዳዊት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞ ብምግላጽ ኮነ ኢሉ ነቶም ሰልፈኛታት ከም ዘይሃረመ ተዛሪቡ።
"ኣብዚ ጉዳይ ዝኾነ ፖለቲካ የሎን. . . ዓሚለይ ኣዝዩ ሓዚኑ፡ ጉህዩ ይነብዕ እዩ ዘሎ" ኢሉ።
ዳዊት ምስ ስድርኡ ኣብ ሲያትል ከም ዝነብር ዝሓበረ እቲ ጠበቓ፡ ወለዱ ፈሪሃ እግዚኣብሄር ዘለዎም ሃይማኖተኛታት እዮም ኢሉ።
ዳዊት ገበነኛ ኮይኑ እንተተረኺቡ ክሳብ 13 ዓመት ክእሰር ከም ዝኽእል፡ ኒውዮርክ ታይምስ ንወሃቢ ቃል ኣኽባር ሕጊ ኪንግ ካውንቲ ብምጥቃስ ሓቢሩ።









![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
