ኣመሪካ፡ ኣብ ጀርመን ዘሎ ኣስታት 10 ሽሕ ሰራዊታ ክትንኪ ወሲና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብቲ ኣብ ጀርመን ዓስኪሩ ዝርከብ ሰራዊት ኣመሪካ 9,500 ወታሃደራት ክስሕብ ምዃኑ ክፍሊ ምክልኻል እታ ሃገር፡ ‘ፔንታጎን’ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ 34,500 ወታሃደራት ኣብ ኣመሪካ ዓስኪሮም ከም ዘለዉ ይፍለጥ።
ትራምፕ፡ ቅድሚ ሕጂ፡ ጀርመን ንወታሃደራዊ ኪዳን ምዕራባውያን ሃገራት፡ ኔቶ፡ እኹል ኣበርክቶ ኣይትገብርን’ያ ብምባል ክነቅፍ ጸኒሑ’ዩ።
ኣፈኛ ፔንታጎን፡ እቲ ውሳነ መዓስ ክትግበር ምዃኑን፡ እቶም ወታሃደራት ናበይ ከም ዝዋፈሩን፡ ብንጹር ኣይገለጸን።
እቲ ውሳነ፡ ኣብ ጀርመንን፡ ኣባል ሃገራት ኪዳን ኔቶን፡ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ ጸብጻባት ይገልጹ። ቀንዲ ስግኣት ናይተን ሃገራት እቲ ሩስያ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ክትገብሮ እትኽእል ምስፍሕፋሕ’ዩ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ንኣባል ሃገራት ናይቲ ወታሃደራዊ ኪዳን፡ ነቲ ዝተሰማምዓሉ 2% ካብ ኣታዊአን ኣብ ምክልኻል ኣየውዕላን’የን ዝብል ክሲ ከቕርብ ምጽንሑ ይዝከር።
ሰራዊት ኣመሪካ፡ ካብ መወዳእታ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣትሒዙ፡ ኣብ ጀርመን ናይ ነዊሕ እዋን ህላወ ኣለዎ። ካብቲ ሽዑ ጀሚሩ ክሳብ ምውዳእ ዝሑል ኲናት ኣብ 1990 ከኣ፡ ኣብታ ሃገር ምስ ሰራዊት ሕብረት ሶቬት ነበር ተፋጢጡ ነይሩ’ዩ።
ጀርመን እቲ ዝበዝሐ ሰራዊት ኣመሪካ ዘለዋ ኣውሮጳዊት ሃገር’ያ። እዝታት ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ናይቲ ሰራዊት ቀንዲ መዓስከሮም ኣብ ጀርመን ይርከብ።
ኣብ ኢጣልያ፡ ብሪጣንያን ስጻኛን’ውን ወታሃደራዊ መዓስከራት ከም ዘለዎ ይፍለጥ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
