ኤርትራ፡ 23 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም

Published
ኣብ ኤርትራ፡ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ 23 ተወሰኽቲ ሰባት ከም ዝተረኽቡ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።
እቶም ሰባት ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ሱዳን ዝኣተዉ ኮይኖም፡ ኣብ ኣዲባራ ዝርከቡ ማእከላት ውሸባ ከም ዝጸንሑ እቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ ጠቒሱ።
ኣዲባራ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝርከብ ከባቢ እዩ።
ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ሆስፒታላት ክእለዩ ዝጸንሑ 14 ድማ ካብቲ ሕማም ተናጊፎም ተፋንዮም ኣለዉ። ብድምር፡ ቁጽሪ ዝሓወዩ 53 በጺሑ’ሎ።
ካልኦት 114 ሰባት ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ከም ዘለዉ’ውን እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።
ዋሕዚ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኣትዉ ዜጋታት ኤርትራ ይቕጽል ከም ዘሎን፡ ክሳብ ሕጂ 9163 ኣትዮም ገም ዘለዉን እቲ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብታ ሃገር ክሳብ ሕጂ፡ 163 በቲ ቫይረስ ተታሒዞም ኣለዉ።
እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ ሞት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ ሓንቲ ኣደ 2 ቆልዑ ኣብ ኣመሪካ ከም ዝዓረፈት ቤተሰባ ገሊጾም።
ኤርትራ፡ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚራ ብወግዒ ኣብ ዕጽዋ ትርከብ። ብሰንኪ’ዚ ኣብታ ሃገር ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገማት የጋጥም ከም ዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

