እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ክልተ ወነንቲ ቤት-መግቢ ብምትላል ተኸሲሶም 1,446 ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪድዎም
ኣብ ታይላንድ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ንኽልተ ወነንቲ ቤት መግቢ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ምትላል [ምጥፍፋእ] ፈጺሞም ብምባል ነብሲ ወከፎም 1,446 ዓመታት ክእሰሩ በይኑ።
እዞም ክልተ ሰባት ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ መርብብ ሓበሬታ ንዓማዊሎም ሓደ ሓበሬታ ዘርጊሐምሎም።
ንዓማዊሎም ኣቀዲምካ ዝኽፍል፡ ሌምጌት ዝብሃል ፍቱው ዓይነት መግቢ ነናብ ገዝኦም ከምዘምጽእሎም ብምሕባር ካብ 20 ሸሕ ሰባት 1.6 ሚልዮን ዶላር ተቐቢሎም።
ገንዘብ ምስ ተቐበሉ ንዓማዊሎም ነቲ መግቢ ከየቕረቡ ጠለብ በዚሕና ብምባል ትካሎም ዓጽዮም።
እቶም መግቢ ኣይመጸኣናን ሰልድና'ውን ኣይተመለሰልናን ዝበሉ ኣማኢት ሰባት ድማ ኣብ ልዕሊ እዞም ክለተ ሰባት ክሲ መስሪቶምሎም።
እዞም ኣፒቻት ቦዎረንባናቻራክን ፕራፓሶርን ቦዎረንባናቻራክ ዝተባሃሉ ታይላንዳውያን ተታሒዞም ናብ ፍርዲ ምስ ቀረቡ፡ ነብሲ ወከፎም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም።
ኣብ ታይለናድ ብምጥፍፋእ ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኸበ ሰብ ን 20 ዓመታት ክእሰር ዘገድድ ሕጊ ኣሎ።
እዞም ክልተ ወነንቲ ቤት መግቢ ከኣ ነቲ ብታይላንዳውያን ፍቱው ዝኾነ መግቢ ብሕሱር ክንሸጠልኩም ኢና ብምባል ካብ ዓማዊሎም ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዶላር ብምቅባሎምን ነቲ መግቢ ከም ቃሎም ናብ ዓማዊሎም ስለዘየብጽሕዎ'ዮም ንብዙሓት ሰባት ብምትላል ብዝብል ፍርዶም ክተርር ክኢሉ።
እቲ ቤት ፍርዲ እዞም ክልተ ሰባት ነቲ ዝቐረበሎም ጠለብ ናብ ሰብ ከቅርብዎ ስለዘይከኣሉ ኣብ ወርሒ መጋቢት ትካሎም ከምዝዓጸውዎ እዩ ዝገልጽ።
መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር፡ እቲ ትካል ካብቶም 818 ምሉእ ንምሉእ ኣቐዲሞም እቲ መግቢ ክቀርበልና ኢሎም ዝኸፈሉ ናይቶም 375 ሰባት ሰልዲ ከምዝተመለሰሎም ገሊጸን።
እቶም ገንዘቦም ዘይተመለሰሎም ክሲ ስለዝመስረቱ እዩ ድማ ጉዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ ኣምሪሑ።
እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ 723 ሰባት ምትላል ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ እቶም ክሱሳት ገበነኛታት ኮይኖም ረኺበዮም ብምባል ነብሲ ወከፎም 1446 ዓመታት ክእሰሩ ውሳነ ኣሕሊፉ።
እንተኾነ እቶም ክሱሳት ጌግኦም ስለዝኣመኑ እቲ ፍርዶም ብፍርቂ ጎዲሉ ነፍሲ ወከፎም ን723 ዓመታት ክእሰሩ እቲ ቤት ፍርዲ ውሳነ ኣሕሉፉ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ማእሰርቲ ነቶም ገንዘቦም ዘይመለስሎም ሰባት ሰልዶም ክመልስሎም'ውን ውሳነ ኣሕሊፉ ኣሎ።
እዚ ነዞም ክልተ ሰባት ዝፈረደ ቤት ፍርዲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት'ውን ንሓደ ብምጥፍፋእ ዝተኸሰሰ ሰብ ን13 ሽሕ ዓመታት ክእሰር ምፍራዱ ይዝከር።
እዚ ቤት ፍርዲ ድኣ እዚ ወሳነ የሕልፍ'ምብር ብሕጊ ታይላንድ ብምጥፍፋእ ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኸበ ሰብ ልዕሊ 20 ዓመት ከይእሰር ዝኽልክል ሕጊ ኣሎ።