እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብያተ ትምህርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኣገልግሎት ክምለሳ እየን
መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ደንጊግዎም ዝጸንሐ ገደባት አዋጅ ዕጽዋ ከፉኩስ ብምጅማሩ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ኣገልግሎት ክምለሳ ምዃነን ተገሊጹ።
ሚንስትሪ ትምህርቲ እታ ሃገር ከምዘፍለጦ 95 ሚኢታዊት ካብ አብያተ ትምህርቲ ነቲ ረቛሕታት ውሑስነት (ድሕነት) ስለዘማልኣ ዳግም ክኽፈታ እየን።
መንግስቲ ነተን ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ነጻ ናይ ምግባር ስራሕ ካብ ምስራሑ ብተወሳኺ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምስ ካልኦት መካላኸሊ ናውቲ ክባጻሕ ምግባሩ ይገልጽ።
ገለ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ሎሚ ሰኑይ ተምሃሮ ናብ ኣብያተ ትምህርቶም እናኸዱ ዘርእዩ ምስልታት ዘርጊሐን ኣለዋ።
ምምሕዳር እተን ኣብያተ ትምህርቲ'ውን ተምሃሮአን ኣካላዊ ርሕቐት ምዕቃቦምን ኣእዳዎም ምሕጻቦምን ብምርግጋጽ ረስኒ ሰብነቶም እናዓቐና ክኣትዉ እናገበራ እየን።
ሚንስተር ትምህርቲ ኣንጌ ሞሺግካ፡ ኣብዚ እዋን ኣብተን ንክኸፈታ ድልዋት ዘይኮና ኣብያተ ትምህርቲ ዘድሃበ ስራሕ ይስርሕ ከምዘሎ ሓቢራ።
ንሳ ከምዝበለቶ ነቶም ረቛሕታት ዘየማልኣ ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ኣገልግሎት ክምለሳ ኣይክፍቀደለንን።
ግን ከኣ ብሰንኪ'ዚ ዋላ ሓደ ተምሃራይ ካብ ትምህርቲ ከምዘይተርፍ ኣፍሊጣ።
ገበናትን ምልዓል ገደባትን
ደቡብ ኣፍሪቃ ነቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ብዝብል ኣብ መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ገደብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ያ ኣልዒላቶ።
ሆስፒታላት ብምኽንያት ሓደጋታት እቲ ቫይረስ ኣብ ዝተጨናነቓሉ እዚ እዋን ድማ ብሰንኪ ገበናት ብዘጋጥሙ ጉድኣታት'ውን ስራሕ ከምዝጸዓቐን ይግለጽ ኣሎ።
ከተማ ደርባን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዝሰርሕ ሓደ ዶክተር 'ሳንደይ ታይምስ' ንዝተበሃለት ጋዜጣ ከምዝሓበሮ፡ ኣዝዮም ብዙሓት መውጋእቲ [ብበላሕቲ ነገራት]፣ ጥቕዓታትን ካልኦት ሓደጋታትን ይረኣዩ ኣለዉ።
"እዚኦም ኩሎም ምስ ምልዓል እገዳ ኣልኮላዊ መስተታት ዝረኸቡ ምዃኖም ከኣ ዘሰንብድ'ዩ" ክብል ነታ ጋዜጣ ተዛሪቡ።
ቁጽሪ ግዳያት ሓደጋታት መኪና'ውን ከምዝወሰኸ ሆስፒታላት ኣፍሊጠን ኣለዋ።
ኣብተን ክልተ ፈላሞት ናይ ዕጽዋ ኣዋርሕ ኣልኮላዊ መስተ ክእገድ ብምኽኣሉ፡ 70 ሚኢታዊት ናብ ሆስፒታላት ካብ ዝመጽኡ ግዳያት እቶም ግበናት ነክዩ ምንባሩ ይግለጽ።