ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል፡ ቤንጃሚን ኔታንያሁ ሎሚ መዓልቲ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ

ኔታንያሁ

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

ቀዳማይ ሚኒስቴር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ምስቲ ዝቐረበሉ ናይ ብልሽውና ክሲ ብዝተኣሳሰር ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

እዚ ድማ፡ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ኣብ ስልጣን እንከሎ ተኸሲሱ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ፈላማይ መራሒ ይገብሮ።

ኣብ ልዕሊ ኔታንያሁ ዝቐረበሉ ክሲ፤ ጉቦ፣ ምትላልን እምነት ምጉዳልን ዝብል ኮይኑ፡ ንሱ ግን ነዞም ክስታት ኣይወዓልክዎምን ብምባል ብትሪ እዩ ዝነጽጎም።

እቲ ወዲ 70 ዓመት መራሒ፡ ተቓወምቱ ኣንጻር እዚ ክስታት ካብ መዝነቱ ወሪዱ ክካታዕ እኳ እንተሓተትዎ፡ ንሱ ግን ንለበወኦም ኣይተቐበሎን።

ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዝተኻየደ መረጻ፡ ዘይተለመደ ልፍንታዊ መንግስቲ ተፈጢሩ፡ ኔታንያሁ ድማ ናይዚ መንግስቲ መራሒ ኮይኑ፡ ቃለመሓላ ካብ ዝፍጽም ድሕሪ ሓደ ሰሙን እዩ፡ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐርብ ዘሎ።

ኣብ እስራኤል፡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ንሰለስተ ግዜ መረጻ ተኻይዱ ግን፡ ኔታንያሁ ኮነ መነሓንሕቱ ቤኒ ጋንትዝ ምሉእ ንምሉእ ክዕወቱ ስለዘይከኣሉ፡ ስልጣን ክመቓርሑ ተሰማሚዖም እዮም።

ኔታንያሁ፡ በቲ ዝተኸሰሰሉ ገበናት ሎሚ ኣብ ከተማ እየሩሳሌም ናብ ዘሎ ቤት ፍርዲ እዩ ክቐርብ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ታሪኽ እስራኤል ነዊሕ ዕምሪ ለልጣን ቀዳማይ ሚኒስተርነት ዝሓዘ ፈላማይ ሰብ እዩ።

ካብ 2009 ኣትሒዙ ከየቋረጸ ኣብ ስልጣን ኣሎ። ካብ 1996-1999 እውን ስልጣን ሒዙ ነይሩ እዩ።

ቤንጃሚን ኔታንያሁ ብምንታይ እዩ ተኸሲሱ ዘሎ?

ኔታንያሁ ስለስተ ክስታት እዩ ቀሪብዎ። እቶም ክስታት መዝገብ 1,000፡ መዝገብ 2,000 ከምኡ ድማ መዝገብ 4,000 ተባሂሎም እዮም ዝጽውዑ።

  • መዝገብ 1,000 - ምትላልን ምጉዳል እምነትን: ጉቦ ተቐቢሉ ዝብል ክሲ ቀሪብዎ። ውዕለታ ክውዕለሎም ካብ ዝደልዩ ዓበይቲ ነጋዶ፡ ጠራሙዝ ሻምፓኝ ከምኡ ድማ ዓብዪ ሽጋራታት (ሲጋር) ተቐቢሉ ዝብል እዩ።
  • መዝገብ 2,000 - ምትላልን ምጉዳል እምነትን፡ ኔታንያሁ ንሓንቲ 'የድዮት ኣህሮኖት' እትበሃል ጋዜጣ፡ ጽቡቕ ምስሊ ናቱ ክትጽብጽበሉሞ ንሱ ኸኣ ዝርጋሐኣ ኣብ ምምሕያሽ ክሕግዝ ሓቲቱ።
  • መዝገብ 4,000 - ጉቦ፡ ምትላልን ምጉዳል እምነትን፡ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ከሎን፡ ሚኒስተር ኮምዩኒኬሽን እናሃለወን፡ መዝነቱ ተጠቒሙ 'ቤዘቅ' ንዝበሃል ትካል ቴሌኮም ዝረብሑ መምርሕታትን ውሳነታትን ሂቡ ዝብል ክሲ ይቐርቦ። ነዚ ዝገበረ ድማ፡ 'ዋላ' ካብ ዝበሃል ምስቲ ቴሌኮም ርክብ ካብ ዘለዎ መደብር ዜና ብዛዕብኡ 'እወንታዊ ጸብጻብ' ንምርካብ ክብል እዩ ዝብል ክስታት ይቐርቦ።

ኔታንያሁ ነቶም ዝቐርብሉ ክስታት ብትሪ እዩ ዝነጽጎም። ብፖለቲካዊ ተነሓናሕቱ ዝቐርቡ "ጠቐነታት" ምዃኖም እዩ ዝገልጽ።