ፓኪስታን፡ ኣብ መንበሪ ገዛውቲ ዝወደቐት ነፋሪት ህይወት 97 ሰባት ቀዚፋ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ነፋሪት መገዲ-ኣየር ፓኪስታን፡ ካብ ላሆር ተበጊሳ ኣብ ከተማ ካራቺ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ገዛውቲ ብምውዳቃ፡ በቲ ሓደጋ ብውሑዱ 97 ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።
እታ PK8303 ኤየር ባስ A320 ዝብል ናይ በረራ መለለዪ ቁጽሪ ዝነበራ ነፋሪት፡ 91 ገያሾን 8 ሰራሕተኛታትን ሒዛ ምንባራ ተገሊጹ።
እታ ነፋሪት፡ ቅድሚ ምውዳቃ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ክትዓልብ ፈቲና ከምዘይሰለጣን፡ ካልኦይ ግዜ ኮሊላ ክተምለስ ከላ ሞቶረ እታ ነፋሪት ከምዝተበላሸወ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም።
ካብቲ ሓደጋ ክልተ ሰባት ከምዝደሓኑ ተረጋጊጹ'ሎ።
ጠንቂ እቲ ሓደጋ እንታይ እዩ?
ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ እንታይ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ኣይተገልጸን።
እታ ነፋሪት ክትዓልብ ቀዲሙ ፍቓድ ተዋሂብዋ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ፓይሎት ከም ዝተደናጎየ ይግለጽ።
ሰብመዙ ሲቪል ኣቨየሽን ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ መዕለቢ ጎማታት እታ ነፋሪት ምዝርጋሕ ኣብዩ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረቡ።
እታ ነፋሪት ብኸመይ ከምዝወደቐት ዝምርምር ኣካል ድሮ ተመስሪቱ'ሎ። እታ ነፋሪት ኣብ 2014 እያ ኣብ ስራሕ ኣቲያ።
እዚ ሓደጋ ነፋሪት፡ ፓኪስታን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣንቢራቶ ዝጸንሐት እገዳ በረራ ምስ ኣልዓለት'ዩ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ዘጋጥም'ዘሎ።
ፓኪስታናውያን፡ ብዓል ሮመዳን ንምብዓል ካብ ከተማታትን ዓድታት ብዙሕ መገሻታት ይገብሩ ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብዛዕባ እቶም ግዳያት እንታይ ነፈልጥ?
ብመሰረት ሰብመዚ እታ ከተማ፡ ክሳብ ሕጂ 97 ሰባት በዚ ሓደጋ ሞይቶም ከምዘለውን፡ እንተኾነ ግን፡ እቶም ዝሞቱ ኣብ ነፋሪት ዝነበሩ ድዮም ወላ ኣብ ኣብ ገዛውቶም ዝጸንሑ ጨቡጥ ሓበሬታ ከምዘየለ ተገሊጹ።
ካብቶም ዝደሓኑ ሓደ: ኣካያዲ ባንኪ ፑንጃብ ከምዝኾነን፡ እቲ ካልኣዩ ድማ መሓመድ ዙቡርን ከምዝበሃሉ መዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቓሊሐን።
ካልኦት ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ከምዘለው ወላ እንተተገልጸ፡ ዝተረጋገጸ ነገር ግን የለን።
ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ኢምራን ከሃን፡ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ "ኣዝዩ ከምዝጎሃየ" ድሕሪ ምግላጽ፡ ቕልጡፍ መርመራ ከምዝካየድ ተመባጺዑ።
ኣብ ፓኪስታን እዚ ሓደጋ ነፋሪት ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ኣብ ጥሪ 2010፡ ብሓደጋ ነፋሪት 152 ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ 2012'ውን፡ ቦዎንግ 737-200 ዝዓይነታ ነፋሪት ብምሕምሻሻ፡ 121 ሰባት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
