ጽባሕ 1.9 ኪሎሜትር ሰንጣቒት ዘለዎ 'ኣስትሮይድ' ብጥቃ ዓለምና ክሓልፍ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጽባሕ 1.9 ኪሎሜትር ሰንጣቒት ዘለዎ 'ኣስትሮይድ' ብጥቃ ዓለምና ክሓልፍ'ዩ።
እወ! 1.9 ኪሎሜተር ሰንጣቒት ዘለዎ።
'ጥቃ ዓለምና' ክንብል እንከለና ግን 3.9 ሚላዮን ማይል እዩ፡ እንተኾነ እዚ ናብ ጠፈር ናይ ዓለምና ኣዝዩ ቐረባ ተባሂሉ'ዩ ዝግለጽ።
ተመራመርቲ ስነ ህዋ፡ ነዚ 1998 OR2 ዝብል ስያመ ተዋሂብዎ ዘሎ 'ኣስትሮይድ' ብቐረባ ብምርኣይ ብዛዕባኡ ብዙሕ ክፈልጡ ከም ዝሕግዞም'ዮም ዝገልጹ።
እዚ ጽባሕ ሮቡዕ 29 ሚያዝያ ብጥቓ ዓለምና ክሓልፍ ምዃኑ ተሓቢሩ ዘሎ 'ኣስትሮይድ'፡ ኣብ ፖርቶሪኮ ካብ ዝርከብ ኣርሴቦ ዝብሃል ምክትታል ህዋ፡ ካብ 1998 ጀሚሩ ጥቡቕ ምክትታል ክገብረሉ ጸኒሑ'ዩ።
ናሳ፡ እዚ 'ኣስትሮይድ' ንዓለም ዝኾነ ስግኣት ከም ዘይፈጥር ብምሕባር "ክንድዚ ዓቐን (ግዝፊ) ዘለዎ ኣስትሮይድ፡ ንዓለምና ከይሃርም ኢልና እንሰግኦ ነገር የለን" ኢሉ።
ሓዲሽ ምስሊ እዚ 1.9 ኪሎሜትር ሰንጣቒት ዘለዎ ኣስትሮይድ ዝርኣዩ ተመራመርቲ "ምስቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ደሮና ተሓዊሱ፡ ማስክ ዝገበረ እዩ ዝመስል" ብምባል ምስ ህሉው ኩነታት እዛ ዓለም ብምዝማድ ብዋዛ ክገልጽዎ ተሰሚዖም።
ካብ 140 ሜትሮ ሰንጣቒት ንላዕሊ ዓቐን ዘለዎ 'ኣስትሮይድ' ከምኡ'ውን ናብ ሜሬት ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ማይልስ እንተቐሪቡ ንዓለምና ከም ሓደገኛ ባዕዳዊ ነገር እዩ ዝቁጸር፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ንዓለምና ስግኣት ዝፈጥር ኣስትሮይድ ከም ዘየሎ'ዮም ተመራመርቲ ዝሕብሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
