ሴናተር ታሚ ደክዎረዝ ዉላዳ ናብ ስራሕ ብምዉሳድ ታሪክ ሰሪሓ

ምንጪ ስእሊ, Inpho
Published
ሴናተር ታሚ ደክዎርዝ፡ ህጻናት ናብ ባይቶ ኣሜሪካ ሒዝካ ንኽትኣቱ ዘይፈቅድ ሕጊ ምስተስዓረ ንጽባሒቱ ውላዳ ሒዛ ናብቲ ባይቶ ብምእታው ታሪኽ ሰሪሓ።
ጓል 50 ዓመት ደክወርዝ ውላዳ ሓቝፋ ንመሪሒነት ናሳ ኣብ ዝግበር መረጻ ድምጻ ሂባ።
ኣብ ሒደት መዓልትታት ታሪኽ ዝሰርሓ ኣደን ጓልን ኣብ ጉዳይ ፖሊሲ ወሊድ ኣሜሪካ መበገሲ ክትዕ ኮይነን።
ኣሜሪካ ኣብ እዋን ሕርሲ ናይ ዕረፍቲ ክፍሊት ዘይትፍጽም ብሕታዊት ዝመዕበለት ሃገር እያ።
ሴናተራት ኣሜሪካ ድሕሪ ክንደይ ክትዕ ንስድራ ምቹእ ዝኾነን ኣደታት ደቂን ሒዘን ናብ ባይቶ ክኣትዋ ዘኽእል ፖሊሲ ኣጽዲቖም።
ሴናተር ደክወርዝ "ጓለይ መምርሒ ኣከዳድና እቲ ባይቶ ከይትጥሕስ ኢለ ጃኬት ከዲነ ኣመጽኤያ" ክትብል ሓውሲ ቅይዐ ዝመስል ሓሳብ ሂባ።
ንሳ ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ እናገልገላ እንከለዋ ዝሓረሳ 10 ደቂ ኣንስትዮ መንጎ ንምዃን በቒዓ።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
