ቆልዑ ስፔን ካብ ዝተዓጸውሉ ወጺኦም ክናፈሱ ክፍቀደሎም እዩ

Published

ኣብ ስፔን፡ ካብ 14 መጋቢት ጀሚሩ፡ ቆልዑ ካብ ገዝኦም ከይወጽኡ ተዓጽዮም እዮም ዘለዉ።

እዚ ድማ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ዝተወሰደ ጥቡቕ ስጉምቲ እዩ።

ሕዚ ግን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ፔድሮ ሳንቼዝ፡ ቆልዑ መታን "ንጹህ ኣየር ክረኽቡ" ነዚ ጥቡቕ ስጉምቲ ከላሕለሖ ምዃኑ ተዛሪቡ'ሎ።

ከንቲባ ከተማ ባርሴሎና ንባዕላ ኣናእሽቱ ቆልዑ ዘለውዋ ኾይና፡ ኣብዚ ቅነ ቆልዑ ናብ ደገ ክወጽኡ ክፍቀደሎም ተማሕጺና ነይራ።

ኣብ ስፔን፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ 20,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ሞይቶም፤ ኣስታት 200,000 ሰባት ድማ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም እዮም።

ትማሊ ቀዳም ጥራይ፡ በቲ ሕማም 565 ሰባት ሞይቶምዋ። እንተኾነ፡ ልዕሊ'ዚ ብዙሕ ሰብ እዩ ክመውት ጸኒሑ፡ ምስኡ ብምንጽጻር እቲ ናይ ቀዳም ውሑድ ቁጽሪ እዩ።

ኣብ ስፔን ነዚ ሕማም ንምክልኻል ዕጽዋ ምስተኣወጀ፡ ዓበይቲ ሰባት መግቢን መድሓኒትን ጥራይ ክዕድጉ ምውጻእ ይፍቀደሎም።

ቆልዑ ግን፡ ምሉእ ንምሉእ ካብ ገዝኦም ከይወጹ ተኣጊዶም እዮም።

ኣብ ስፔን ዝርከቡ ሾመንተ ሚልዮን ቆልዑ፡ ኣ ብገዛ ካብ ዝዕጸዉ 5 ሰሙናት ኮይንዎም ኣሎ።

እዚ ከኣ፡ ኣብ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጥዕና ናይቶም ህጻናት ሃስያ ከየምጽእ ስግኣት ዝሓደሮም ኣለዉ።

ኣብ መሰላት ህጻናት ዝሰርሕ ትካል ናይታ ሃገር፡ ቆልዑ ናብ ደገ ወጺኦም ክጻወቱን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩን ክፍቀሎም ጸዊዑ እዩ።

ከንቲባ ከተማ ባርሴሎና'ውን "ቆልዑ ናብ ደገ ክወጽኡ ኣለዎም" ዝበለት ኮይና "ልዕሊ እዚ ምጽባይ ኣየድልን፤ ደቅና ፍትሕዎም!" ድማ ኢላ።

ከም ዴንማርክ ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት፡ ንትሕቲ 11 ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ቤት ትምህርቲ ዳግማይ ከፊተን ኣለዋ።

ኖርወይ ድማ፡ ጽባሕ ሶኒ፡ ኣብታ ሃገር ንዘለዋ መውዓሊ ህጻናት ክትከፍተን እያ። ጀርመን፡ ጉንበት 4 ኣብያተ ትምህርቲ ክትከፍት እያ።

ስዊድን ድማ፡ ካብ መፈለምትኡ ኣብያተ ትምህርቲ ኣይዓጸወትን ጸኒሓ። እንተኾነ፡ እዘን ዝተጠቐሳ ሃገራት፡ ክንዲ ስፔን በቲ ሕማም ዝተሃሰያ ኣይነበራን።

ቀዳማይ ሚሰስተር ስፔን፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ቆልዑ ንደገ ወጺኦም ክናፈሱ ክፍቀደሎም ምዃኑ ተዛሪቡ'ሎ። እንተኾነ "ለበዳ ንምክልኻል፡ ቅድመ ኩነትን ገደብን ክቕመጠሉ እዩ" ኢሉ።