ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ፡ ብዋሕስ 25 ሽሕ ብር ክፍታሕ ቤት ፍርዲ ወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, Yayesew Shimelis/FB
ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ብዋሕስ ብር 25 ሽሕ ካብ ማእሰርቲ ክፍታሕ ቤ ትፍርዲ ከምዝወሰነ፡ ጠብቓኡ ኣይተ ታደለ ገብረመድህን ተዛሪቡ።
እቲ ጋዜጠኛ፡ ብመጋቢት 26 ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ሓደ ጸብጻብ ምስኣቕረበ እዩ ተኣሲሩ።
ጠበቕኡ ከምዝበሎ፡ ያየሰው "ዘይሓቃዊ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ" ክሲ ቀሪብሉ፡ ንሰለስተ ግዜ ኣብ መጋባእያ ቀሪቡ እዩ።
ኣብቲ ናይ ሎሚ ናይ ቤት ፍርዲ ውዕሎ፡ ፖሊስ ንምርመራ 7 ተወሳኺ መዓልቲ ክወሃቦ እኳ ሓቲቱ እንተነበረ፡ ቤት ፍርዲ ግን ኣይተቐበሎን ኢሉ ኣይተ ታደለ።
ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ፡ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ብዘቕርቦ ሰሙናዊ ናይ ፖለቲካ መደብን፡ ኣብ 'ፍትህ' ዝተብሃለት ናይ ውልቀ መጽሄት ብዘቕርቦ ጽሑፋቱን ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ናይ ውልቁ ፌስቡክን 'ኢትዮ ፎረም' ኣብ ዝበሃል ናይ ዩቱብ ቻነሉን ድማ፡ እዋናዊ ጸብጻባት የቕርብ ነይሩ።
ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ሲፒጄ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኣሰሮ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ብህጹጽ ክፈትሖ ምሕታቱ ዝዝከር እዩ።
ሲፒጄ፡ ንመሓዙቱ ጠቂሱ፡ እቲ ጋዜጠኛ ዘቕርቦም ጸብጻባት ንማእከላይ መንግስቲ ዝነቕፉ ብምንባሮምን፡ ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ብዘለዎ ምትእስሳርን ኣብ ዓይኒ ሰበ-ስልጣን ማእከላይ መንግስቲ ኣትዩ ጸኒሑ እዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
