እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ 9 ተወሰኽቲ ሰባት ተረኺቦም
Published
ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ከም ዝሓበሮ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ካብ መንጎ ዝተገረሎም 442 ሰባት እቶም 9 ኮሮናቫይረስ ከምዝሓዞም ተረጋጊጹ'ሎ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ቁጽሪ 65 በጺሑ።
ኩሎም እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት መገሻ ገይሮም ዝነበሩ ምዃኖም ሚንስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢራ።
ካብቶም እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 7 ኢትዮጵያውያን ክኾኑ ከለዉ፡ ዝተረፉ ድማ ሓደ ኤርትራውያን ሓንቲ ህንዳዊትን እዮም።
እቶም ኢትዮጵያውያን ኣርባዕቲኦም ካብ ዱባይ፤ ክልተ ካብ ቱርኪ ሓደ ድማ ካብ እንግሊዝ ምስተመለሱ ኣብ መወሸቢ ክጸንሑ ከምዝተገበረ ዶክትር ሊያ ሓቢራ።
ወዲ 40 ዓመት ኤርትራዊ ካብ ዱባይ ጓል 20 ዓመት ህንዳዊት ድማ ካብ ኣሜሪካ መገሻ ከምዝነበሮም ተፈሊጡ'ሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ን3,232 ጥርጡራት ምርመራ ከምዝተገበረሎም ዘዘኻኸረት እታ ሚንስትር፡ ኩሎም እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ክትትል ሕክምና ይግበረሎም ምህላው ኣረዲኣ።
ኣርባዕተ ሰባት ካብቲ ሕማም ክሓውዩ ከለዉ ክልተ ከምዝሞቱ ይግለጽ።