እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ስእነት ጣዕምን ጨናን ምልክታት ኮሮናቫይረስ'ዶ ይኾኑ?
ጨናን ጣዕምን ናይ ምፍላይ ተፈጥሮኣዊ ክእለት ምስኣን ምልክታት ኮሮናቫይረስ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተመራመርቲ እንግሊዝ ሓቢሮም።
ኣብ ለንድን ኪንግስ ኮሌጅ ዝርከብ ሓደ ጉጅለ ኣብ ዘቕረቦ ሕቶ ልዕሊ 400,000 ጥርጡራት እቲ ቫይረስ ብመተግበሪ [ኣፕሊኬሽን] ሞባይል ንዝሃብዎ መልሲ ገምጊሙ ነይሩ።
ብርግጽ ምስኣን ክእለት ምፍላይ ጨናን ጣዕምን ኣብ ከም ሰዓል ዝበሉ ካልኦት ረኽስታት ክፍሊ ኣካል ምስትንፋስ: ዝረኣዩ ምልክታት እዮም።
ሰብሞያ ድማ ክነስተብህለሎምን ቅልጡፍ ስጉምቲ ክንወስድን ዘገድዱና ቀንዲ ምልክታት ኮሮናቫይረስ: ረስኒ ከምኡ'ውን ሰዓል ከምዝኾኑ ይሕብሩ።
ኣባና ወይ ምሳና ዘሎ ሰብ ዘየቋርጽ ሰዓልን ከቢድ ረስኒን እንተሃልዩ ካብ ገዛ ብዘይምውጻእ እቲ ቫይረስ ናብ ካልኦት ከይመሓላለፍ ክንገብር ከምዝግባእ'ውን ይምዕዱ።
እቲ መጽናዕቲ እንታይ ውጽኢት ረኺቡ?
ተመራመርቲ ኪንግስ ኮሌጅ፡ ብዛዕባ ምልክታት እቲ ቫይረስ ሰብ ሞያ እኹል ግንዛበ ንኽህልዎም ብዝብል'ዮም ነቲ ሓበሬታ ዘተኣኻኸቡ።
ብመሰረት ካብቶም ነቲ ሕቶ መልሲ ዝሃቡን ካብ ክልተ ንላዕሊ ምልክታት ዝጠቐሱን ድማ፦
- 53 ሚኢታዊት ድኻምን ዓቕሚ ምስኣንን
- 29 ሚኢታዊት ዘየቋርጽ ሰዓል
- 28 ሚኢታዊት ትንፋስ ምሕጻር
- 18 ሚኢታዊት ክእለት ምፍላይ ጨናን ጣዕምን ምስኣን
- 10.5 ሚኢታዊት ከቢድ ረስኒ ክብሉ ገሊጾም።
ካብቶም 400,000 ሰባት እቶም 1,702 ምርመራ ኮሮናቫይረስ ከምዝገበሩ ክገልጹ ከለዉ፡ 579 ክርከቦም ከሎ 1,123 ድማ ነጻ ኮይኖም።
59 ሚኢታዊት ካብቶም እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ድማ ጨናን ጣዕምን ናይ ምፍላይ ክእለቶም ከምዝሰኣኑ ሓቢሮም'ዮም።
እሞ ድኣ ጨናን ጣዕምን ናይ ምፍላይ ክእለት ምስኣን ሓደ ካብ ቀንዲ ምልክታት ኮይኑ ክውሰድ ኣለዎ'ዶ?
ብዛዕባ'ዚ እኹል መረጋገጺ ወይ መረዳእታ ከምዘየለ ሰብሞያ ይዛረቡ።
ውድብ ጥዕና ዓለም'ውን ኣብ ዝርዝር ምልክታት እቲ ቫይረስ ኣይሰርዖምን።
ዶካትር'ውን እዞም ምልክታት ኣብ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ክረኣዩ ከምዝኽእሉ ብምግላጽ፡ ብፍሉይ ግን ንኮቪድ-19 ዝገልጹ ምልክታት ከምዘይኮኑ የረድኡ።