ኮሮናቫይረስ፡ ኣመንቲ ክርስትና ዓርቢ ስቕለት ኣብ ዕፅው ኮይኖም እዮም ከኽብሩ

Published

መዓልቲ ስቕለትን ሞትን እየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝዝከረሉ ሎሚመዓልቲ፡ ነዋሕቲ ወናብር ኣብያተ-ክርስትያናት፡ ከም ወትሩ ኣመንቲ ኣይክቕመጥሎምን። ማህሌት ስለዘይህሉ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያናት ኣፍደገ ተዓፅየን እየን ክውዕላ።እዚ ማለት ግና መንፈሳዊ ኣገልግሎታት ኣይክህልዉን ማለት ኣይኮነን።ኣብ ቫቲካን፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ገዝኦም ንዝተዓፀዉ ኣመንቲ ፡ ኣብዚ ዕለት ክፍፀሙ ዝግበኦም ሃይማኖታዊ ስርዓታት፡ ብኢንተርኔት ብቀጥታ ክፍነው እዮም።ድሕሪ ቀጥታዊ ፈነወ ድማ፡ እዚ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓት ዳግማይ ንክረአ ተሰኒዱ ክቕመጥ እዩ።ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን እውን፡ ብተመሳሳሊ መገዲ እየን፡ ዓርቢ ስቕለት ንምብዓል ዝዳለዋ ዘለዋ።

ኣብ ሲንጋፖር ሓደሓደ ፓስተራት፡ ኣብዚ ዕለት ዘሕልፍዎ መልእኽቲ ዓርቢ ስቕለት ኣቐዲሞም እዮም ምቕራፅ ጀሚሮም።ኣብ ኣውስትራልያ ሲድኒ ትርከብ ቤተ-ክርስትያን ካቴድራል ቅድስት ማርያም እውን፡ ኣብ በዓል ፋሲካ ዝፍፀሙ ሃይማኖታዊ ስርዓታት፡ ካብ ድሮ እዚ በዓል ጀሚራ፡ ብቀጥታ ተሌቬዥን ንኣመንቲ ክትፍንው እያ።ሊቀ-ጳጳሳት ሲንጋፖር ዊልያም ጎህ፡ " ዋላ'ኳ ስቓይ ዝተመልኦ እንተኾነ፡ ንእምነትና ኣዚና ንፅዕረሉ ግዘ እዩ" ኢሎም።