"ኣብ ዋሺንግተን ዘይንደልዮም ነገራት ክንቅበል ጸቕጢ ይግበረልና ነይሩ" ኣይተ ገዱ አንዳርጋቸው

ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው
Published

ኣብ ህንጸት ዝርከብ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት፡ እቲ ግድብ ካብ ዝጅመር ጀሚሩ ከካትዕን ከዘራርብን ጸኒሑ እዩ።

ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ገለ እዋናት ናይ ቃላት ኲናት ክሳብ ምምልላስ'ውን ዝበጽሕሉ ግዘ ኣሎ።

እንተኾነ፡ እቲ ልዝብ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ጥራሕ ዘይኮነስ ሳልሳይ ኣካል ኢዱ ከእቱ፡ ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ግብጺ ሕቶ ነይሩ።

ኢትዮጵያ ናይ ሳልሳይ ኣካል ኢድ ኣእታውነት ኣይትቕበሎን ጸኒሓ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ናብ ስልጣን ዝመጸአ ሓድሽ መንግስቲ ግና፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ኣብቲ ልዝብ [ድርድር] ክሕወሱ ፈቒዱ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ ዋሺንግተን ብተኸታተሊ ተኻይዱ ዝተብሃለ ዘተ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ተስማሚዐንኦ ዝተብሃለ ሓሳብ፡ ኣብ ምፍራም እቲ ሰነድ ኣፈላላይ ተፈጢሩ።

እቲ ልዝብ እንታይ ይመስል ነይሩ ክንብል፡ ንሓደ ኣባል እቲ ተዛታዪ ልኡኽ ኢትዮጵያ ንዝኾነ፡ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣዛሪብናዮ ኣለና።

መስመር

ቢቢሲ፦ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ ሕዚ ኣብ ምንታይ ብርኪ እዩ በጺሑ ?

ኣይተ ገዱ አንዳርጋቸው- እቲ ዘተ ዝጸንሐ እዩ። ኣብ ወርሒ መስከረም 2018 ናብ መወዳእታ ከባቢ በጺሑ ነይሩ፡ ኣብ ምፍራም ግዘ፡ እቶም ግብጻውያን ተዛተይቲ ኣቋሪጾም፡ መንግስትና ክነማኽር ኢሎም ከይዶም። ካብኡ ኣይተመለሱን። ኣብ መንጎኡ፡ ኣብ ሱዳን ድማ ድማ ናዕቢ ተልዒሉ።

ካብኡ ድማ፡ ግብጻውያን ነሓሰ 2019 ምስቲ ንዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ልዝብ ዝጻባእ፡ ሓድሽ ሓሳብ ኣለና ኢሎም መጺኦም። ተቐባልነት ኣይነበሮን። ብርግጸዕ ንሕና ውን ናይ ኢትዮጵያ መመራጺ ዝበልናዮ ሓሳብ ሱዳን'ውን ከምኡ ኣቕሪብና፤ ኣይተስማማዕናን።

ኣብ መንጉኡ፡ ኣመሪካ ከተዓርቐኩም ኢላ ዓዲማትና። ክልቲኦም እናዛተዩና፡ ሰለስቴና ቀንዲ ተላዘብቲ ኮይንና ቀጺልና፡ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ። ኣብ መወዳእታ ግና፡ ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ስምምዕነት ከይበጻሕና ንፈራረም ዝብል ሕቶ ቀሪቡ።

ኣይከውንን ኢልና። ካብኡ ካሊእ ዙርያ ልዝብ ቀጺሉ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ሚኒስተር ገንዘብ ኣመሪካ፡ "ክትስማምዑ ስለዘይከኣልኩም፡ ምስ ባንኪ ዓለም ተዘራሪበ ኣነ ባዕለይ፡ ሓደ ሰነድ ኣዳልየ ከቕርብኩም እየ" ኢሎም፡ ንሕና ልክዕ ኣይኮነን ተዛተይቲ ንሕና ባዕልና ኢና ክነዳልዎ ዘለና፡ ኢልና፡ ኣይተቐበልናዮን።

ግብጻውያን ድማ ብቐጥታ ክንቕበሎ ኢና ኢሎም። ንሕና ግን እቲ ኣካይዳ ነጺግና፡ ብኸምዚ መልክዕ ኣይንፍርምን ኢልና፡ ስለዝኣበና እዩ፡ እቲ ልዝብ ንግዚኡ ተቛሪጹ ዘሎ።

ቢቢሲ፡- መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሕዚ እንታይ ክገብር እዩ ትጽቢት ዝግበረሉ?

ኣይተ ገዱ አንዳርጋቸው፡ - ንሕና ተደራዲርካ ናብ ስምምዕ ምብጻሕ ይከኣል እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለና። ምስምማዕ ዘይከኣል፡ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ምክሕሓድ እንትፍጠር እዩ።

ብፍላይ ግብጻውያን፡ ናብቲ ብ1959 ዝተፈረመ ዘይፍትሓዊ ውዕል መሰረት፡ ናይቲ ማይ ክፍፍል ብኡ ክቕጽል ዝገገብርዎ ፈተነ፡ ዓብዪ ዕንቅፋት እዩ።

ካብዚ ወጻኢ፡ ምስ ማይ ምምላእን ምስዳድን ዝምልከት ኣብ ዝኾነ እዋን ተዘራሪብካ ኣብ ሕደ ዕልባት ንምብጻሕ ኩሉግዘ ድልውቲ እያ።

ካልእ ኣካል ኣብቲ ጉዳይ ረቂቕ ሰነድ ኣቐሪቡልና ክንፍርም ዘይኮነስ፡ ባዕልና ሓደ ብሓደ ተዛቲናን ተላዚብናን ኣብ ሓደ ጫፍ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና።

ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው

ቢቢሲ፡ ኣብቲ ድርድር ቅዋም ኣመሪን ባንኪ ዓለምን ከመይ መዚንክሞም?

ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው፦ ኣብ መጀመርታ ከባቢ፡ እቲ ተራሓሒቑ ዝነበረ ቅዋማትና ክነቀራርብ ሓጊዞምና እዮም። ካብኡ ግን ኣመሪካውያን እቲ ልዝብ ቀልጢፉ ክውዳእ እዮም ደልዮም። ሓደ ዓብዪ ነገር ኣብ ሓጺር እዋን ከመዘሳኽዑ ከርእዩ ደልዮም።

ንዓና ድማ፡ እቲ ስምምዕ ናይ መጻኢ ወለዶ ዕጫ'ውን ዝውስን ስለዝኾነ፡ ብጉያ ጉያ ክውዳእ ኣይደለናን። ካብኡ ድማ፡ ቀንዲ ተዋሳእቲ እቲ ዘተ ንሕና ሰብ ዋና ክንከውን እናተገበአ፡ ካልኦት ጽዕንቶ ፈጢሮም ዝብጻሕ ስምምዕ ተቐባልነት የብሉን ዝብል እምነት ኢና ሒዝና።

እቲ ዝተፈተነ ዝሓጸረ መንገዲ ጠጠው ክብል ሓቲትና። ብፍላይ ናይቲ ሚኒስተር ገንዘብ ድፍኢት እናሓየለ እዩ መጺኡ። ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ሙሉእ ቅዋም ኣይመስለንን።

እዚ ድማ ልክዕ ኣይኮነን።

ቢቢሲ፡ ስለዚ ባንኪ ዓለምን መንግስቲ ኣመሪካን ተመሊሶም እንተመጺኦም ጸገም የብሉን ድዩ ??

ኣይተ ደጉ ኣንዳርጋቸው፡-ንቕድሚት፡ ኣብ መትከል ዝተመስረተ ቅዋም እዩ ዘለና። ዝመጽአ ይምጻእ ሸምጋሊ፡ ጸገም የብልናን። ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይቲ ጉዳይ ግን ሰለስቴና ባዕልና ኢና ክንከውን ዘለና ዝብል እዩ። ካልእ ንዓና ተኪኡ ግን ክውስን ኣይንፈቕድን። ከምኡ እንተኾይኑ፡ ጠንቂ ገዲፉ እዩ ዝሓልፍ።

ቢቢሲ፦ ግብጺ 90 ሚኢታዊ ንጹህ ማይ ትረከብ ካብ ኣባይ እዩ። ስለዚ እቲ ግድብ ናይ ማይ ድሌተይ ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሳሖ ምባላ ተቐባልነት የብሉን'ዶ?

ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው፦ ንሕና ፍትሓዊ ዘይኮነ ነገር ኣይገበርናን። ፍትሓዊ ዘይኮነ ስምምዕ ድማ ኣይንፍርምን። ባዕልና ኣቕሊልና፡ ክንፈራረም እናኸኣልና፡ ንሳቶም ሕዚ፡ ዲፕሎማስያዊ ጽዕንቶ ገይሮም ዘይግቡእ ስምምዕ ከፈርሙና እዮም ወፍሪ ዘካይዱ ዘለዉ። ይሳኸዐሎም'ዶ ኣይሰኸዐሎምን ጸኒሕና ንሪኦ ይኸውን።

ኢትዮጵያ ብዚ መንገዲ ክትፍርም እያ ኢሎም እንተሓሲቦም ፈጺሙ ዘይኾን ነገር እዩ።

እቲ ግድብ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ እዩ ዝስራሕ ዘሎ። ናይ ዝኾነ ኣካል ረብሓ ኣይተንከፍናን።

እቲ ግድብ ዝመልእ ማይ ድማ፡ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ እጃም 'ምበር ናይ ካሊእ ኣይኮነን። እቲ ግድብ ዝስራሕ ዘሎ ድማ፡ ድኻ ኢትዮጵያዊ ከይተረፈ ኣዋጺኡ እዩ ዘሰርሖ ዘሎ።

ናይ ኢትዮጵያ ድሌት፡ ኣባይ ፍልፍል ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን ክኸውን 'ምበር፡ ናይ ጎንጽን ግጭትን ከኸውን ኣይኮነን። እዛ ሃገር እቲ ማይ ተጠቒማ ቁጠብኣ ንምምሕያሽ 'ምበር፡ ካልእ ዓላማ የብላን።

እዚ ግድብ ድማ፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እዩ ዘመንጩ። ሱዳን ኮነ ግብጺ ካብኡ ክጥቐሙ ይኽእሉ እዮም። ካብኡ ብዝተረፈ፡ ኣብቲ ኣብቲ ዝግበር ምንቅስቓስ ንግብጺ ዝጠቅማ መሲሉ ኣይስመዐንን።