ኢራን፡ ንምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይረስ ብኣመሪካ ንዝቐረበላ ሓገዝ ነጺጋቶ

Published

ኣብ ምክልኻል ለበዳ ኮረናቫይረስ፡ ኣመሪካ ንኢራን ክትሕግዝ ንዘርኣየቶ ድልየት፡ ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ነጺግዎ።

ኣመሪካ ናይ ኢራን "ቀንዲ ጸላኢት እያ" ዝበለ ኣያቶላህ ዓሊ ካመነይ፡ ቅድም ክብል ገለ ሰብ መዚ ቻይና'ውን ክገልጽዎ ንዝጸንሑ 'ንኮረናቫይረስ ኣመሪካ እያ ትሕተተሉ' ንዝብል ናይ ሽርሒ ትንታነ (ኮንስፓይረሲ ቲዮሪ) ኣብቲ ብቴሌቪዥን ዝተፈነወ መደረኡ ኣተንቢሁ።

"እዚ ክሲ ክሳብ ክንደይ ሓቂ እዩ ዝብል ኣይፈልጥን። ግን ከኣ፡ ከምዚ ዓይነት ክሲ እናቐረበልኩም እናሃለወ መድሓኒት ክተምጽእሉ ኣሚኑ ዝጽበየኩም ሰብ የለን" ዝበለ እቲ መራሒ "ምናልባት ከኣ፡ እቲ መድሓኒትኩም ንለበዳ እቲ ቫይረስ ዘጋድድ ክኸውን ይኽእል" ኢሉ።

ዝኾነ መረዳእታ እኳ ዋላ እንተዘየቕረበ፡ እቲ ቫይረስ 'ንኢራናውያን ንምጥቃዕ ኮነ ተባሂሉ ዝተሰርሐ' ምዃኑ'ውን ገሊጹ።

ካልኦት ኢራናውያን መራሕቲ'ውን፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘንበረቶ እገዳታት እንተይኣልዓለት፡ ረድኤት ክትህብ ምውጣና ግብዝነት እዩ ክብሉ ተቓዊሞምዎ።

ኢራን ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝየን ተሃስየን ካብ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ ኮይና፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከኣ እታ ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት ዘለውዋ ሃገር እያ።

ኣብታ ሃገር ዘለዉ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልእሊ 21,600 እዩ። ግን ከኣ፡ እቲ ብዝሑ ካብኡ ዝዛይድ ክኸውን ከምዝኽእል ስግኣት ኣሎ።