ኣብ ሱዳን ሓደ ሰብ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሞተ ተረጋጊጹ

ኮሮናቫይረስ
Published

መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብታ ሃገር ለበዳ ሕማም ኮሮናቫይረስ ከም ዝኣተወን፡ ካብቲ ሕማም ድማ ወዲ 50 ዓመት ሰብኣይ ኣብ ካርቱም ከም ዝሞተን ኣረጋጊጹ።

እቲ ግዳይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንኢማራት ዓረብ ገይሹ ከም ዝነበረ ድማ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም።

ሱዳን ንለበዳ ሕማም ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር፡ ካብን ናብን ኢጣልያ፣ ግብጽን ኮልኦት 6 ሃገራትን ዝግበር ጉዕዞ ብምእጋድ ቪዛ ከም ዘይትህብ ኣፍሊጣ።

ናብ ግብጺ ዝግበር ዝነበረ ናይ ኣውቶቡሳት ጉዕዞ'ውን ደው ኣቢላቶ።

ግብጺ፡ ንመጀመርያ ኮሮናቫይረስ ዝተራእየለ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና፡ በቲ ሕማም 80 ሰባት ተለኺፎም፤ ክልተ ሰባት ድማ ሞይቶም።

እቲ ኣብ ቻይና ከተማ ዉሃን ጀሚሩ ናህሩ ብ13 ዕጽፊ ዛይዱ ምህላዉ ዝንገረሉ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ኮቪድ-19፡ ኣብ ኣፍሪቃ እውን እንተኾነ ከምተን ካልኦት ክፍላተ-ዓለም ዝርግሕኡ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

እቲ ሕማም፡ ኣብ 17 ሃገራት ኣፍሪቃ ተራእዩ'ሎ።

እዚ ሕማም ብዘስዓቦ ቕልውላው፡ ቁጠባ ዓለም ብኣሉታ ተጸልዩ ይርከብ።

ብመሰረት ሕጂ ወጺኡ ዘሎ ጸብጻብ፡ ዛጊት ብደረጃ ዓለም፡ ልዕሊ 145,374 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለው፡ 5429 ሞይቶም።