ንበዓልቲ ቤቱ ብምቕታል ዝተኸሰሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ሌሴቶ ናብ ጎረቤት ሃገር ኣምሊጡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብቕትለት በዓልቲ ቤቱ ሊፖሌሎ ታባነ ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ኣብ ትጽቢት ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ሌሴቶ ቶማስ ታባነ፡ ካብ ሃገሩ ከም ዝወጸ ምንጭታት ገሊጾም።
ወዲ 80 ዓመት ታባነ፡ ካብ ንግስነት ሌሴቶ ናብ ጎረቤት ሃገር ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዘምርሐ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
ነዚ ኣመልኪቱ ምላሽ ዝሃበ ወዱ ግና፡ ኣብኡ ንሕክምና ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዘምርሐ ተዛሪቡ።
ውልቃዊት ጸሓፊት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ኣብ ቤት ፍርዲ ክርከብ ኣይኽእልን እዩ፡ ንሕክምና ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከይዱ ኣሎ" ኢላ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምኽንያት ዕድመ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ምዃኑ ኣብ ወርሒ ሓምለ ገሊጹ እኳ እንተነበረ ብዛዕባ እዚ ክሲ ግና ኣይተዛረበን።
ናይ ሕጂ በዓልቲ ቤቱ፡ መሳያ ታባነ፡ ኣቐዲማ ብቕትተለት ተከሲሳ እያ።
ቶማስ ታባነ ኣብ ስልጣኑ እንከሎ ብዘቤታዊ ቅትለት ዝተኸሰሰ ኣፍሪቃዊ መራሒ ክኸውን እዩ።
ጓል 58 ዓመት ሊፖለሎ ታባነ፡ ቶማስ ታባነ ኣብ 2017 ቀዳማይ ሚኒስተር ቅድሚ ምዃኑ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ እያ ብጥይት ዝተቐቲላ።

ምንጪ ስእሊ, The Post
ኣብቲ እዋን፡ ቶማስ ታበነ ነቲ ቅትለት "ህልና ኣልቦ" ክብል ገሊጽዎ እኳ እንተነበረ፡ ኣብዚ እዋን ፖሊስ ኣብቲ ቅትለት ኢድ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከም ዘሎ ይኸስስ።
ምክትል ኮምሽነር ፖሊስ ፓሴካ ሞኬቴ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብቕትለት ክኽሰስ እዩ፤ ፖሊስ ምድላዋቶም የጻፍፉ ኣለው፤ ጽባሕ ክሲ ክቐርበሉ ይኽእል እዩ" ኢሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
