ማላዊ ሰልፈኛታት ንቤት ጽሕፈት ኮምሽን ምርጫ ብሊኬቶ ዓጽየምዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ሕገመንግስታዊ ቤትፍርዲ ማላዊ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ መረጻ ድሕሪ ምስራዙ፡ ሓላፊ ኮምሽን መረጻ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጠልቡ ሰልፈኛታት ንቤት ጽሕፈት ኮምሽን ምርጫ እታ ሃገር ብሊኬቶ ከም ዝዓጸውዎ ተገሊጹ።
ብኣማኢት ዝቑጸሩ እቶም ሰልፈኛታት፡ ናብቲ ኣብ ቁጠባዊት ርእሰ ከተማ ማላዊ ብላንተይር፡ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት እቲ ኮምሽን ዝርከበሉ ስፍራ 5ኪሜ ብእግሮም ተጓዒዞም ንመዓጹ እቲ ቤት ጽሕፈት ብዝመረተ ዓቢይ ሰንሰለት ጌሮም ሎኪቶምዎ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ሊሎንግወ'ውን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተመሳሳሊ ተግባር ድሕሪ ምፍጻም ነቲ መፍትሕ ንሓደ ኣዛዚ ሰራዊት ከም ዘረከቡ ተገሊጹ።
ቤት ፍርዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ መረጻ፡ ኣብቲ ድምጺ ዝወሃበሉ ወረቐት ምድምሳስን ምትዕርራይን ዝርከቦ ብርክት ዝበለ ሓላፍዘላፍነት ከም ዝረኣየ ብምግላጽ ንውጽኢት እቲ መረጻ ሰሪዝዎ እዩ።
ሓላፊ እቲ ኮምሽን ምርጫ ግና ዝኾነ ኣበሳ ከም ዘይተፈጸመ እዩ ዝገልጽ።
ቤት ፍርዲ ማላዊ ነቲ ውሳነ ድሕሪ ምሃቡ፡ ፕረዚደንት ፒተር ሙታሪካ ነቲ ጉዳይ ናብ 'ላዕለዋይ ቤትፍርዲ' ክወስዶ ምዃኑ፡ ብመገዲ ወሃቢ ቃሉ ገሊጹ እዩ።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
