ዓዲ እንግሊዝ፡ ሳልሳይ ሰብ ብኮሮና-ቫይረስ ተለኺፉ

ምንጪ ስእሊ, Shutterstock
ኣብ ብሪጣንያ፡ ብኮሮና ቫይረስ ዝተታሕዘ ሳልሳይ ሰብ ከም ዝተረኽበ ሰብመዚ ዕጥና ገሊጾም።
እቲ ስሙ/ማ ዘይተጠቕሰ ውልቀሰብ ካብ ቻይና ወጻኢ፡ ኣብ ኢስያ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፈን፡ ኣብ ከተማ ብራይቶን ከም ዝተረኸበን፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓዲ ኣንግሊዝ፡ ፕሮፌሰር ክሪስ ዊቲ ሓቢሩ።
ሓካይም፡ ነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ኢስያ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ሰባት መርመራ ክገብረሎም ምዃኑ'ውን ጠቒሱ።
እቲ ምቕልቃል ናይ ለበዳ መጀመርታ ዝነገረ ቻይናዊ ሓኪም፡ በቲ ቫይረስ ከም ዝሞተ ጸብጻባት ካብ ቻይና ሓቢሮም።
ዶ/ር ሊ ወንሊያንግ፡ ኣብ ማእከላይ ሆስፒታል ከተማ ዉሃን እናሰርሐ እንከሎ'ዩ ብዛዕባ'ቲ ሕማም መጠንቀቕታ ክህብ ጀሚሩ። ነዚ ዝሰምዑ ፖሊስ፡ ነቲ ለበዳ ንምሕባእ፡ ናብቲ ዝሰርሓሉ ብምዃድ ነቲ ዝህቦ ዝነበረ ሓበሬታ ደው ከብሎ ኣዚዞሞ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ክልተ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ዜጋታት ቻይና ኣብ ከተማ ዮርክ ተረኺቦም ምንባሮም ይዝከር። ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒውካስትል ኣፕ ኦን ታይን ዝርከብ፡ ማእከል ተላባዒ ሕማማት 'ቪክቶርያ ኢንፈርማሪ' ይእለ'ዩ ኣለዉ።
ልዕሊ 80 ዝኾኑ፡ ካብታ ምንጪ ናይቲ ቫይረስ ዝኾነት ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ብነፋሪት ዝኣተዉ ዜጋታት'ውን ንክልተ ሰሙን ኣብ ፍሉይ ቦታ ተወሺቦም ኣለዉ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ተላቢዑ ይርከብ። ዛጊት፡ ኣስታት 28 256 ሰባት ተለኺፎም ኣለዉ.
ካብዚኦም፡ 563 ኣብ ቻይና ክሞቱ እንከለዉ፡ ክልተ ድማ ካብ ቻይና ወጻኢ (ኣብ ሆንግኮንግን ፊሊፒንስን) ዝሞቱ'ዮም።
እዚ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተለኸፈ ሳልሳይ ሰብ፡ ኣብ ፍሉይ ሆስፒታል ተወሲዱ ከም ዘሎ ሰብመዚ ጥዕና ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ኣብ ከተማ ለንደን ንከምዚኦም ዝበሉ ሕማማት ዝኣልዩ ክልተ ሆስፒታላት ኮይኖም፡ 'ሮያል ፍሪ ሆስፒታል' (Royal Free Hospital) 'ጋይስ ኤንድ ሴንት ቶማስ' (Guy's and St Thomas' Trust)ን ይበሃሉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
