ኬንያ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዘጋጠመ ምድፍፋእ 14 ተምሃሮ ሞይቶም

Published

ኣብ ምዕራባዊ ኬንያ፡ ኣብ ሓደ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጠረ ምድፍፋእ ብውሑድ 14 ተምሃሮ ሞይቶም።

እቲ ሓደጋ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ካካሜጋ ቀዳማይ ብርኪ፡ ተምሃሮ ካብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዝወጽሉ ሰዓት እዩ ኣጋጢሙ።

በቲ ምጽቕቓጥ 14 ተምሃሮ ከምዝሞቱን፡ ከቢድን ቀሊልን መጉዳእቲ ዘጋጠሞም ከባቢ 40 ተምሃሮ ድማ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱን ሚኒስተር ትምህርቲ ኬንያ ጆርጅ ማጎሃ ገሊጹ።

መንቀሊ እቲ ሓደጋ ዛጊድ ዘይተፈለጠ ኮይኑ፡ ገለ ጸብጻባት ግና እቶም ተምሃሮ ካብ ቤት ትምህርቲ እንትወጹ፡ ኣብቲ ዝወርዱሉ ጸቢብ ደረጃታታት ይደፋፍኡ ከምዝነበሩን እቲ ደረጃ ከምዝፈረሰን ይገልጹ።

ደይሊ ኔሽን ዝተብሃለ ጋዜጣ ድማ፡ ገሊኦም ተምሃሮ እንትጎዩ ካብ ሳልሳይ ደብሪ ከምዝጸደፉ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ብተመሳሳሊ፡ መምሃሪ ክፍሊ ፈሪሱ 8 ተምሃሮ ከምዝሞቱን 69 ከምዝቖሰሉን ይዝከር።