መንግስቲ ኤርትራ፡ ሓላፊ ስለያ ሱዳን ነበር ሳላሕ ጎሽ ኣብ ሃገሩ ምህላው ዝገልጽ ክሲ ነጺጉ

ሳላሕ ጎሽ

ምንጪ ስእሊ, ASHRAF SHAZLY/AFP/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ነቲ ናይ ጥሪ 14 ኣድማ ኣባላት ስለያ፡ ከም ዘወሃሃደ ዝጥርጠር፡ ተሰዊሩ ዘሎ፡ ሓላፊ ስለያ ሱዳን ነበር ሳላሕ ጎሽ
Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

መንግስቲ ኤርትራ እቲ ሃዲሙ ዘሎ ሓላፊ ስለያ ሱዳን ነበር፡ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ ምህላው ብመራኸቢ ብዙሃን ንዝተዘርገሐ ዜና ነጺጉ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ነቲ ብገለ መራኸቢ ብዙሃን ንዝቐረበ ጸብጻብ "መስሓቕ" ክብል ምላሽ ሂቡ።

ንሱ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝለጠፎ ሓበሬታ፡ "ጸላእቲ ኤርትራ ናይ ጸለመ ወፍርታቶም ቀጺሎም ምህላዎምን፤ ኣብዚ ሰሙን ሓላፊ ስለያ ሱዳን ነበር፡ ሳላሕ ጎሽ፡ ዑቕባ ንምሕታት ናብ ኤርትራ ከም ዘምርሐን ዝገልጽ ከምኡ ድማ ንምስሓብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ፡ ንኤርትራ ዝኸስስ ዝተፈብረኸ መስሓቕ ዜናታት ነይሩ" ኢሉ።

"እቲ ተኸታታሊ ስኑዕ ዜና ኣብ መንጎ ኤርትራን ጎረባብታን ሃጓፍ ንምፍጣርን፤ ኣብቲ ዞባ ሰፊኑ ዘሎ ሰላምን ምርግጋእን ንድሕሪት ንምምላስን ዝዓለመ እዩ። እዚ ክኸውን ዘይክእል እዩ" ክብል ገሊጹ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ኣብዚ ሰሙን፡ ገለ መራኸቢ ብዙሓን ሱዳን፡ እቲ ብምውህሃድ ናይ'ቲ ብ 14 ጥሪ ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ኣድማ ኣባላት ስለያ ዝጥርጠር፡ ሓላፊ ስለያ ሱዳን ነበር፡ ምስ ገለ ተሓባበርቱ ናብ ኤርትራ ከም ዝሃደመ ጸብጺበን ነይረን።

ብዘይካ'ዚ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኣምባሳደራ ክትስሕብ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ጸቕጢ ከምዝገበረሉ፤ ገለ መራኸቢ ብዙሓን ምጽብጻበን ይዝከር።

ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ 2018 ዝምድነአን ምስ ኣሐደሳ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ዝተሸመ ሬድዋን ሑሴን፡ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ምክትል ኮይኑ ተሸይሙ።