ኣብ ቡርኪናፋሶ ብዝተፈጸመ ብግበረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ 36 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ኣብ ሰሜናዊ ቡርኪናፋሶ ብዝተፈጸመ ግበረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 36 ሰባት ከምዝሞቱ መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ።
እቶም ብረት ዝዓጠቑ ጉጀለ፡ ኣብ ሓደ ዕዳጋ 32 ሰባት ክቐትሉ እንለው፡ ኣብ ካልኦት 4ተ ዓድታት'ውን መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ'ሎ።
እቲ መጥቃዕቲ ብመን ከምዝተፈጸመ እዃ እንተተዘይተገልጸ፡ ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ ብሓያሎ እስላማውያን ዕጡቓት ዝፍጸሙ ተግባራት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብተደጋጋሚ ክረኣዩ ጸኒሖም'ዮም።
ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ባይቶ እታ ሃገር ሲቪላዊ ወለንተኛታት ነቲ እስላማዊ ጉጅለ ንኽቃለሱ ብረት ክዓጥቑ ከምዝወሰነ ገሊጹ።
እቶም ወለንተኛታት፡ ን14 መዓልታት ዝጸንሕ ወተሃደራዊ ተዓሊም ከምዝወሃቦም'ውን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጾም።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተፈጸሙ መጥቓዕትታት
- ብ11 ግንቦት፡ ኣርባዕተ ወጻእተኛታት (ዜጋታት ፈረንሳ፡ ኣሜሪካን ኮርያን) ተጨውዮም፡ ነዞም ዝተጨወዩ ነጻ ንምውጻእ ኣብ ዝተገበረ ውግእ ከኣ ሓደ ሓባሪ መንገድን ክልተ ወተሃደራት ፈረንሳን ሞይቶም።
- ብ12 ግንቦት፡ ሓደ ዕጡቕ፡ ኣብ ዳብሎ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤተክርስትያን ብምእታው ክሃን ንዝርከቦም ሽዱሸተ ሰባት ድሕሪ ምቕታል ነቲ ቤተ ክርስተያን ኣቓጺልዎ።
- ብ13 ግንቦት፡ ኣብ ሰሜናዊ ከፋል ቡርኪናፋሶ ዝርከብ ዚምተንጋ ዝተባሃለ ቦታ ኣርባዕተ ኣመንቲ ካቶሊክ ብሓደ ዕጡቕ ተቐቲሎም።
- ብ26 ግንቦት፡ ኣብ ከተማ ታውሊፈ ሓደ ዕጡቕ ኣብ መዓልቲ ሰንበተ ንኣርባዕተ ኣመንቲ ካቶሊኽ ቀቲሉ።
- ኣብ ሰነ 2019፡ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ኣርቢንዳ 19 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
