እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ከተማ ለንደን 3 ሰባት ብካራ ተወጊኦም ተቐቲሎም
Published
ኣብ ምብራቕ ለንደን፡ ሰለስተ ሰባት ብካራ ተወጊኦም ከምዝተቐትሉ ፖሊስ ለንደን ገሊጹ።
እቲ መቕተልቲ ኣብ ከባቢ ኢልፈርድ ዝተባህለ ከባቢ ከምዝተፈጸመ'ውን ተገሊጹ።
ፖሊስ ለንደን ከምዝሓበሮ፡ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ሰራሕተኛታት ናብቲ ቦታ ምስበጽሑ፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 20-30 ዝርከቡ ሰለስተ ኣወዳት ብካራ ተወጊኦም እዮም ረኺቦም።
እቶም ሰለስተ ሰባት፡ ኣብቲ ዝተወግኡሉ ቦታ ከምዝሞቱ'ውን ተገሊጹ። ክሳብ ሕጂ በቲ ጉዳይ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ የለን።
ፖሊስ፡ ሰድራ-ቤት ግዳያት ንምርካብን ነቶም ዝሞቱ ንምልላይን መርመራ የካይድ ከምዘሎ ገሊጹ።
ከንቲባ ከተማ ለንደን ሳዲክ ካሃን፡ እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ፖሊስ ከጸንሕ ኣዚዙ'ሎ።
ብተወሳኺ፡ ንስድራ-ቤት እቶም ግዳያትን ነበርቲ እቲ ከባብን ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ።