እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ከተማ ለንደን ብዝተፈጸመ ግብረሽራዊ መጥቃዕቲ ክልተ ግዳያት ተቐቲሎም
Published
ኣብቲ ዓርቢ ምሸት ኣብ ለንደን ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክልተ ሓለፍቲ መንገዲ ከም ዝተቐትሉ ፓሊስ ኣረጋጊጾም።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ቁጽሮም ብርግጽ ዘይተፈልጠ ሰባት ከም ዝቖሰሉን፡ ሓደ ጥርጡር ብጥይት ከም ዝተቐትለ ፖሊስ ናይታ ከተማ ሓቢሩ'ሎ።
ኣቐዲሙ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ፖሊስ ተዛሪቦም ነይሮም'ዮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ንቅልጡፍ ግብረመልሲ ሓይልታት ጸጥታን፡ ኣገልግሎት ኣምቡላንስን ንኢዱ።
ኣብ ከተማ ለንደን፡ 'ለንደን ብሪጅ' ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ፍሉጥ ድልድል ድምጺ ተዂሲ ከም ዝተሰምዐን ፖሊስ ነቲ ድልድል ኣጽዮሞ ከም ዘለዉን ተፈሊጡ።
ፖሊስ፡ ብንጹር ዘይገለጽዎ ኩነታት ኣጋጢሙ ከም ዘሎን፡ ሰባት ክጥንቀቑን ንትእዛዞም ክእዘዙን ጸዊዖም ኣለዉ።
ጸብጻባት ካብቲ ከባቢ ከም ዝሓበርዎ፡ ሓያሎ ሰባት ንሓደ ሰብ ከጥቅዕዎ ከም ዝተራእዩን፡ ፖሊስ ናብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ድምጺ ጠያይቲ ተሰሚዑን።
ህዝቢ ካብቲ ከባቢ ከርሕቕ ይሕተት ከም ዘሎ ድማ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ሓቢሩ'ሎ።