ኣብ ሓደ መዓልቲ ወዳ ብሞት ስኢና ካልእ ዝወለደት ኣደ

ኢንዲያ ሱሌይማን
መግለጺ ስእሊ, ኢንዲያ ሱሌይማን
Published

ኣብ ዞባ ኢሉ ኣባ ቦራ፡ ወረዳ ዱዱ እትነብር ኢንዲያ ሱሌይማን፡ ዝሓለፈ 29 ታሕሳስ በዓል ልደት ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ህይወት ዘበና ዘይትርስዖ መዓልቲ እዩ።

ረቡዕ 29 ታሕሳስ፡ 2012 ኣቆፅፅራ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ኢንዱያ ሱሌይማን፡ ክልተ ዓመት ፈራቓን ዝዕድሚኡ ወዳ ብሃንደበታዊ ሕማም ብሞት ሰኣነት።

ወዳ ብሞት ዝመንጠለታ መዓልቲ ግና፡ በዚ ጥራሕ ኣየብቀዐትን፡ ኣብ ሓዘን ትርከብ ወላዲት ካልእ ውላድ ናብዛ ዓለም ንክተምፅእ ገበረታ ደኣ'ምበር።

"ከባቢ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ቀትሪ፡ ወደይ ብሃንደበት ስለዝሓመመኒ ናብ ሆስፒታል ሒዝናዮ ከይድና፤ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ድማ ሞይቱ። ናብ ገዛ ምስ ኣምፅኡኒ፡ ሕርሲ ኣዳፊኡኒ ሽዑ ምሸት ወሊደ" ትብል ኢንዲያ ሱሌይማን።

ትወልደሉ ግዘ ምቕራቡ ከምዘይትፈልጥ ትዛረብ ኢንዲያ፡ "ኣብ ከቢድ ሓዘን ስለዝነበርኩ፤ ሕርሲ ሒዙኒ ቃንዛ ክስመዓኒ እንከሎ፡ ኩላሊተይ ዘሐመኒ እዩ መሲሉኒ" ብምባል፡ ነቲ ዝነበረ ፍሉይ ኣጋጣሚ ትዝክሮ።

"ብሞት ወደይ፤ ኣዝየ ብሓዘን አስቆንቁን (አስቆርቁር) ነይረ" ትብል ኢንዲያ፡ ኣብቲ መዓልቲ ቃንዝኣ ዝረኣዩ ስድራን ጎረባብትን ናብ ሕክምና ንክወስድዋ እንተ ተማሕፀንዋ እውን፡ ንሳ ግና ኩሊታ ከምዝሓመመት'ምበር ብሕርሲ ከምዘይተትሓዘት ብምግላፅ ኣቕበፀት።

ብድሕሪኡ ግና፡ "ሕርሲ ተታሒዘ፡ ሽዑ ድማ ኣብ ገዛ ወሊደ" ብምባል እቲ ትፅቢት ዘይገበረትሉ ዘይትርስዖ ኩነታት ተዘንቱ።

"ኣብ ዝሓዘንኩሉ መዓልቲ ምውላደይ፡ ሕውስውስ ዝበለ ስምዒት እዩ ፈጢሩለይ" ብምባል ዝፈጠረላ ስምዒት ትዛረብ።

ነዚ ሰሚዖም ክሓትዋ ዝመፅኡ ሰባት ከኣ፡ ንዝሞተ "ነብሲ ይምሓር"፤ ንዝተወለደ ህፃን ድማ መሪቖም ይኸዱ።

ንሳ ግና "ምናልባት ሓድሽ ውላድ ብምርካበይ ንመፃኢ ክሕጎስ እኸውን'ምበር፡ ሕዚ ንዝሞተ ወደይ ብጣዕሚ ሓዚነ እየ ዘለኹ" ትብል።

"ፈጣሪ ነቲ ሓደ ነፍሲ ብካልእ ከምዝተከኦ እየ ኣሚነ" ትብል፡ ብሃንደበት ዝሞተ ውላዳ እንከይተቐበረ፡ ካልእ ህፃን ምውላዳ ዝፈጠረላ ስምዒት እንክትገልፅ።

ሓፍቲ ኢንዲያ ንዝኾነት ለይላ ሱሌይማን፡ ነዚ ኣይ ሓጎስ ኣይ ሓዘን ዝፈጠረ ኣጋጣሚ፡ "ኣብ ስድራና ዘደንቕ ስራሕ ፈጣሪ ኢና ርኢና" ብምባል እያ ትገልፆ።

"ፈጣሪ ብሞት ንዝሰኣናዮ ውላድ ብኻልእ ስለዝተክኣልና፡ ምስጋና ይብፅሓዮ። ሓዘንናን ሓጎስናን ኣብ ሓደ መዓልቲ ምዃኑ ግና ኣሕዚኑና እዩ" ኢላ።

"ዝኾነ ነገር ጎዲሉ ወይ ተማሊኡ ኢልና ኣይንሕጎስን፡ ኣይንሓዝንን እውን፡ ሱቕ ኢልና ስራሕ ፈጣሪ ጥራሕ ኢና ነድንቕ" ብምባል ነቲ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ገሊፃትልና።

ከም ኣገላልፃ ለይላ፡ ጎረባብቶም ፈጣሪ ውላድ ስለዝሃቦም ክሕጎሱ እምበር ክሓዝኑ ከምዘይግባእ እዮም ዝነግርዎም።

እዚ ኩሉ እንከጋጥም ግና፡ በዓል ገዛ ኢንዲያ ብምኽንያት ስራሕ ኣብቲ ከባቢ ከምዘይነበረ ስድራቤታ ገሊፆም።