ባይቶ ኣመሪካ፡ ትራምፕ ኣብ ኢራን ዝወስዶ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ዝድርት ሕጊ ኣጽዲቑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ባይቶ ወከልቲ ኣመሪካ፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኩናት ንምልዓል ዘኽእሎ ስልጣን ዝድርት ውሳነ ኣሕሊፉ።
እቲ ውሳነ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ሓደጋ ኣብ ዘንጸላለወሉ እዋን እንተዘይኮነ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊ ኢራን ስጉምቲ ከይወስድ ዝኽልክል እዩ።
እቲ ውሳነ ብተወሳኺ ኮንግረስ እንተዘይፈቒድሉ ኣብ ልዕሊ ኢራን "ወታሃደራዊ ሓይልታት ኣመሪካ ምጥቃም ጠጠው'' ከብል ዝእዝዝ እዩ።
እቲ ብኣብዝሓ ድምጺ ብወከልቲ ህዝቢ ዝጸደቐ ውሳነ፡ ካብቲ ብሪፐብሊካን ዝዕብለል ሰኔት ተቓውሞ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ይግለጽ።
እቲ ወጺኡ ዘሎ ሕጊ እቲ ኮንግረስ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ናብ ኩናት ንምእዛዝ ዘለዎ ስልጣን ንምምርማር ዘኽእሎ፡ ናይ 1973 ሕጊ መሰረት ዝገበረ እዩ።
ኣመሪካ ንላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢራን ኣብ ዒራቕ ድሕሪ ምቕታላ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣብ ዒራቕ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ደብዳብ ሮኬት ኣካይዳ እያ። እንተኾነ ዝተጎደአ ሰብ የለን።
እቲ ባይቶ ኣሕሊፍዎ ዘሎ ውሳነ፡ ክታም ናይቲ ፕረዚደንት ዘየድልዮ ስለዝኾነ፡ ትራምፕ ነቲ ውሳነ ዕንቅፋት ከምዘይኸውን ይግለጽ።
ሓላፊት ዲሞክራት ኣባላት እቲ ባይቶ ናንሲ ፔሎሲ፡ ትራምፕ ንቃሲም ሶሌማኒ ብምቕታል ንኣመሪካ ውሕስቲ ገይሩዋ ኢላ ከምዘይትኣምን ገሊጻ።
ሓላፊ ሪፐብሊካን ኬቨን ማካርቲ ግን " ትርጉም ዘይብሉ" ክብል ነቲ ውሳነ ተቓዊምዎ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ድማ "ኩሎም ኣባላት ሪፖብሊካን ዝኾኑ ኣባላት እቲ ባይቶ፡ ኣንጻር እታ ዕብድቲ ናንሲ ዘውጸአቶ ሕጊ ከምዘድምጹ" ተስፋ ይገብር ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
