ኬንያ፡ ኣብ ወታሃደራዊ መዓስከር ብሪጣንያ ክኣትዉ ዝፈተኑ 'ኣሸበርቲ' ተታሒዞም

ወታሃደራዊ መዓስከር ብሪጣንያ ኣብ ኬንያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኬንያ ዘለዉ ወታሃደራት ብሪጣንያ፡ ኣብ ምስልጣን ሰራዊት ኬንያ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ይፍለጥ
Published

ፖሊስ ኬንያ፡ ናብ ውሽጢ ወታሃደራዊ መዓስከር ብሪጣንያ ኣብ ኬንያ ክኣትዉ ዝፈተኑ ሰለስተ "ጥርጡራት ኣሸበርቲ" ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተወ፡ ምንጭታት ፖሊስ ብምጥቃስ፡ ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ሓቢሩ።

ደይሊ ኔሽን ዝተባህለ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ'ታ ሃገር ከም ዝበሎ፡ እቶም ሰለስተ ጥርጡራት፡ ናብቲ ኣብ ማእከላይ ዞባ፡ ኣብ ጥቓ ናዩኪ እትበሃል ከተማ ዝርከብ መዓስከር ኣፍሪሶም ክኣትዉ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን'ዮም ተታሒዞም።

ኣብ ኬንያ ዘለዉ ወታሃደራት ብሪጣንያ፡ ኣብ ምስልጣን ሰራዊት ኬንያ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

"ከም ዝመስለኒ፡ ካሜራ ጥራይ'ዮም ሒዞም ነይሮም። ግና፡ ነቲ ሓቂ ንምፍላጥ ንምርምሮም ኢና ዘሎና" ክብል፡ ሓላፊ ፖሊስ ዞባ ሪፍት ቫሊ ጆርጅ ናተበያ ነቲ ጋዜጣ ተዛሪቡ።

ኣፈኛ ሰራዊት ብሪጣንያ ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ ድማ፡ ፖሊስ ኬንያ፡ ንሓደ ኣብ ጥቓ እቲ መዓስከር ዝተፈጸመ "ብጥርጠራ ዝተራእየ ፍጻመ" ይምርምር ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።

"ኣብ ልዕሊ ኣባላት ይኹን ንብረት ብሪጣንያ ዘነጻጸረ ስግኣት ኣይነበረን ኢልና ኢና እንኣምን፡ ከም ኣካል ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ምጽራይ ግን፡ ምስ ሰብመዚ ኬንያ ንተሓባበር ኣለና" ኢሉ።

ብሰንበት፡ ዕጡቓት ኣባላት ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ደሴት ማንዳ ዝርከብ ወታሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ መጥቃዕቲ ኣካይዶም ነይሮም።

ኣብቲ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ወታሃደርን ክልተ ናይ ኮንትራት ሰራሕተኛታትን ተቐቲሎም።

ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ኬንያ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትታት ከካይድ ጸኒሑ'ዩ።

ኬንያ ነቲ ጉጅለ ንምህራም ኣብ ውሽጢ ሶማልያ ወታሃደራዊ ስርሒታት ክተካይድ ምጽንሓን፡ ሰራዊታ'ውን ኣካል ናይቲ ብስም ሕብረት ኣፍሪቃ ዝቖመ ብኣሚሶን ዝፍለጥ ወታሃደራዊ ሓይሊ ምዃኑ ይፍለጥ።