ፕረዚደንት ሱደን ነበር ዑመር ኣልበሽር ብብልሽውና ክእሰር ተፈሪዱ

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር
Published

ብብልሽውና ዝተኸሰ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር፡ ኣብ ጨንፈር ተሓድሶ ንኸልተ ዓመት ንኽእሰር ተፈሪዱ።

እቲ ፈራዳይ ከም ዝሓበሮ፡ ብመሰረት ሕጊ ሱዳን፡ ሓደ ሰብ ልዕሊ 70 ዓመት እንተኾይኑ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ክተሓዝ ከም ዘይክእል ነቲ መጋባእያ ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን ዑመር ኣልበሽር ወዲ 75 ዓመት እዩ።

ኣልበሽር ብዘይካ እዚ ቀሪቡሉ ዘሎ ካልእ ክስታት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ 1989 ዝተገበረ ዕልዋ መንግስቲ፤ ኣብ ዳርፉር ዝተኻየደ ህልቂት፤ ከምኡ'ውን ብሞት ሰልፈኛታት ደለይቲ ለውጢ 2018 ተኸሲሱ ይርከብ።

እቲ ብይን ክወሃብ እንከሎ፡ ደገፍቱ ነቲ ፍርዲ "ፖሎቲካዊ" እዩ ኢሎም ክጭድሩ ምስ ጀመሩ፡ ካብቲ ቤት-ፍርዲ ክወጽኡ ተኣዚዞም።

ግን ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤት-ፍርዲ ኮይኖም ተቓውምኦም ቀጺሎም።

ድሕሪ እቲ ፍርዲ፡ ሓደ ካብ ጠበቓታቱ ኣንጻር እቲ ዝተዋህበ ብይን ይግባይ ከም ዝብል ኣፍሊጡ።

ዑመር ኣልበሽር፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ስልጣን እንከሎ ዝፈጸሞ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፤ ኣብ ዳርፉር ዝፈጸሞ ገበን ኵናትን ክኽሰስ ድዩ ኣይክሰስን ክሳብ ሕጂ ኣይተነጸረን ዘሎ።

እቲ ናይ ብልሽውና ክሲ፡ ዑመር ኣልበሽር ካብ መራሒ ስዑዲ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ዝተቐበሎ 25 ሚልዮን ዶላር ዝተተሓሓዘ እዩ።

ንሱ፡ እቲ ናይ ገንዘብ ወፈያ ምስ ስዑዲ ዓረብ ብዘለዎ ምሕዝነት ከም ዝተቐበሎን ንወፈያ ከም ዝተጠቕመሉን ገሊጹ።

ክሳብ ሕጂ ኣንጻር ዑመር ኣልበሽር ተላዒሉ ዘሎ ክስታት በቲ ዓለማዊ ቤት-ፍርዲ ገበን ተኸሲስዎ ዘሎ ናይ ምጽናት ዓሌት፡ ገበን ኵናት ከምኡ'ውን ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸሞ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝተተሓዘ ኣይኮነን።

ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዞባ ዳርፉር ኣስታት ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉን፤ ከባቢ 2.5 ሚልዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ከምዝተመዛበሉን ይግለጽ።

ዑመር ኣልበሽር፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ምልካዊ ምሕደራ እዩ ብ11 ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።