እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
''እቲ ናይ ኖቤል ምድላው ናዓይ ፍርሕን ሓጎስን ዝዓሰሎ እዩ ነይሩ'' ቤቲ ጂ
ድምጻዊት ብሩክታዊት ጌታሁን (ቤቲ ጂ) ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ኣብ ዝተቐበለሉ መድረኽ፡ ሃገሬን 'ሲንጃለዳ'ን ዝብሉ ደርፍታት ኣቕሪባ ነይራ።
በቶም ዘቕረበቶም ስራሕቲ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ናእዳ ረኺባ።
ቤቲ፡ ኣብ መድረኽ ሽልማት ኖቤል ስራሕታ ክተቕርብ ከምዝተመረጸት 'ማኔጀራ' ምስነገራ፡ ኣዝያ ከምዝተገረመት ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ነቶም ዝመረጽዋ ኮሚተ ምስረኸበቶም "ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ዓበይቲ ደረፍቲ ከመይ ናዓይ ፈልዮም መሪጾምኒ?'' ኢላ ከምዝሓተት 'ውን ትገልጽ።
ንዓኣ ምምራጾም ሕጉስቲ ምዃና ብምግላጽ በየናይ መዐቀኒ ከምዝመረጽዋ እንተሓተተት እኳ፡ ''ናዓኺ ብምምራጽና ሕጉሳት ኢና'' ካብ ምባል ወጻኢ መዐቀኒኦም ኮነ ምኽንያቶም ከምዘይገለጹላ ተዛሪባ።
''ኣነ 'ውን ናይ ፈጣሪ ስራሕ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን'' እትብል ድምጻዊት ብሩክታዊት፡ ኣብ መድረኽ ሽልማት ኖቤል ከምእትደርፍ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢላ ከምዝፈለጠት ንቢቢሲ ሓቢራ።
እታ ድምጻዊት ነቲ ዘቕረበቶ ሙዚቃ ክንደይ ከምዝተኸፈላ ተሓቲታ፡ ብዙሕ ከምዘይኮነን ዝኸደትሉ ምኽንያት ድማ ከምቶም ዓበይቲ ሙዚቀኛታት ኣብ መድረኽ ዓለም ሃገራ ንምፍላጥ ከምዝኾነ ገሊጻ።
''እቲ ናይ ኖቤል ምድላው ናዓይ ፍርሕን ሓጎስን ዝዓሰሎ እዩ ነይሩ'' ዝበለት ቤቲ ጂ፡ ምኽንያቱ ድማ ''ኣብ ቅድሚ ንጉስን ንግስትን ናይ ምድራፍ ዕድል ኩልሻብ ዘጋጥም ኣይኮነን'' ብምባል ትገልጽ።
እቲ ምድላው ሓጎስ ከምዝፈጠረላ እትገልጽ ቤቲ፡ '' ኣነ'ውን ብባዕለይ ዝኾራዕኩሉ ስራሕ እዩ'' ትብል።
ንሳ ኣብቲ መድረኽ ከምእትደርፍ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ይፈልጥ ከምዘይነበረን ንፈለማ እዋን ኣብቲ መድረኽ ከምዝረኣያን ዝገለጸት ቤቲ፡ እቶም ኣዳለውቲ 'ሰርፕራይዝ' ክገብሩዎ ስለዝደለዩ ከምዝኾነ ሓቢራ።
ብዙሓት ሰባት በቶም ዘቕረበቶም ስራሕቲ ከምዝተሓጎሱን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ'ውን ድሕሪ እቲ ሽልማት ረኺቡ ''ብጣዕሚ ጽቡቕ ስራሕ ኢኺ ኣቕሪብኪ፤ በርትዒ'' ከምዝበላ ንቢቢሲ ገሊጻ።
ቤቲ ጂ ኣከዳድነኣን ቁኖኣን ካብ ትግራይ፡ እቲ 'ሃገሬ' ዝብል ናይ ኣምሓርኛ ደርፊ ንተዛረብቲ ቋንቋ ኣምሓርኛ፡ ሲንጃለዳ' (Sin jaaladha) ዝብል ናይ ኦሮምኛ ደርፊ ድማ ንኦሮሚያ ክውክል ተሓሲቡ ዝተገብረ ምዃኑ ትዛረብ።
ኣእዳዋ ዘመላኸዐትሉ ሒና ከኣ፡ ንምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዝውክል እዩ።
ብመሰረት ባህሊ ኖርወይ እቶም ነገስታት ኣብዘለዉሉ ኢድ ምንሳእ ንቡር ከምዝኾነ እትገልጽ ቤቲ ጂ፡ እቲ ናይ ሙዚቃ ባንድ 'ውን ስርሑ እንትጅምርን እንትውድእን ኣብቲ መድረኽ ኢድ ከምዝነስአ ተዛሪባ።
ኦሮምኛ ቋንቋ ምዝራብ ከምዘይትኽእል እትዛረብ ቤቲ ጂ፡ ነቶም ደርፍታት ኣጽኒዓ ከምዝተጻወተቶም ገሊጻ።