ኬንያ፡ ሓንቲ መንእሰይ ንሓደ ሰብኣይ ክተድሕን ብውሕጅ ተወሲዳ

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኬንያ፡ ሬሳ ናይታ ኣብ ውሕጅ ዝጠሓለ ሰብኣይ ክተድሕን በቲ ውሕጅ ዝተወስደት መንእሰይ ከም ዝረኸቡ ተገሊጹ።
ጓል 19 ዓመት ኬንያዊት ኣና ንዱኩ፡ ኣብ ከባቢ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ፈለግ ካንዲሲ፡ ኣውያት ይጥሕል ዝነብረ ሰብኣይ ምስ ሰምዐት ክተድሐኖ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን እያ ናብቲ ውሕጅ ዝወደቐት።
ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ኬንያ ብዝዘንብ ዘሎ ብርቱዕ ዝናብ ዝሰዓበ ውሕጅ፡ ምኽንያት ሞት 130 ሰባት ኮይኑ ኣሎ።
እቲ ሰብኣይ ኣብቲ ፈለግ ኣብ ዝርከብ ኣብ ምህናጽ ዘሎ ድልድል ተላሒጉ ከእውይ ምስ ሰምዓቶ እያ፡ ኣና ንረድኤት ተቐላጢፋ። ኣና ነቲ ሰብኣይ ከተድሕኖ'ኳ እንተከኣለት፡ ንሳ ግና ናብቲ ውሕጅ ብምውዳቓ ኣይተረፈትን።
እቲ ሓደጋ ከጋጥም ከሎ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረት፡ ወላዲታ ኤልዛቤት ሙቱኩ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣና ምስቲ ማይ ክትቃለስ ከም ዝረኣየታን ከተድሕና ከም ዝፈተነትን፡ እቲ ውሕጅ ብርቱዕ ብምንባሩ ግና እናኣገላበጠ ከም ዝወሰዳ ተዛሪባ።
እቲ ናይ ቀደም ድልድል ኣብ 2017 ድሕሪ ምእላዩ ክህነጽ ዝተጀመረ ሓድሽ ድልድል ዛጊት ብዘይምዝዛሙ፡ በቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ኣብቲ ሩባ ኣእማን ብምንጻፍ እዮም ነቲ ውሕጅ ዝሰግርዎ ዘለው።
እቲ ሩባ ድሕሪ እቲ ኣብ ሃገራት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ሶኒ ጀሚሩ ዝወቅዕ ዘሎ ሓያል ዝናብ እዩ መሊኡ፡፡


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
