ብቕድሚ ትማሊ ክልተ ሰብ-መዚ ምዕራብ ሸዋ፡ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቐቲሎም

Published

ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣመራርሓ ወረዳ ጀልዱ ዝኾኑ፡ ክልተ ሰብ-መዚ፡ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ።

ምኽትል ኣመሓዳኣሪ ወረዳ ጀልዱ ኣይተ ረጋኔ ከበበን ሓላፈ ጉዳያት ፖለቲካ ኣይተ ተስፋየ ገረመውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ከባቢ ሰዓት 12፡00 ናይ ምሸት ኣብ ከተማ ጎጆ ብዝተተኰሰሎም ጥይት ከምዝተቐተሉ፡ ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ፡ ኣይተ ደሬሳ ተረፈ ንቢቢሲ ኣረጋጊፆም።

ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ሰብ-መዚ ቅትለት ክፍጸም እዚ ፈላማይ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ በዓል-መዚ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቐቲሎም።

ሓላፊ ምርመራ ገበን ፖሊስ ከተማ ነቀምቴ ኮማንደር ጫላ ደጋጋ'ውን ፡ ኣብ መፈለምታ እዚ ሰሙን፡ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ተገሊፁ።

ቅድሚ ሕዚ'ውን፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ዝርከቡ ዞባታት፡ ንሓለፍቲ መንግስቲ ዘነፃፀሩ ቅትለታት ክፍፀሙ ፀኒሖም እዮም።

ብተወሳኺ፡ ሰለማውያን ነበርቲ እቲ ከባብን ዜጋታት ወፃእን ሓዊሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ሞያ ዝተዋፈሩ ውልቀ ሰባት ብዕጡቓት ተቐቲሎም እዮም።

ሓላፊ ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ዴሬሳ ተረፈ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ሰብ-መዚ ዕላማ ብምግባር እናወሰኸ ይመፅእ ዘሎ ቅትለት ደው ንምባል፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጣየሸ 'ጋዲሳ ሆገንሰ ኦሮሞ' ዝተብሃለ ኣካል፡ ምስ ኣካላት መንግስቲ ብምዃን መፍትሒ የናድይ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እዚ ኣብ ጉዳያት ኦሮሚያ ናይ ዘድህቡ ውድባት እኩብ መድረኽ ዝኾነ 'ጋዲሳ ሆግንሰ ኦሮሞ'፡ ንህዝቢ ኦሮሞ መሰረት ዝገበሩ ውድባት ሓቢሮም ንክሰርሑ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዘጣየሽዎ ኣካል እዩ።

ኣብ ምስረታ 'ጋዲሳ ሆግንሰ ኦሮሞ' ኣይተ ለማ መገርሳ፣ ዳውድ ኢብሳ፣ መረራ ጉዲና (ዶ/ር)፣ ብርጋዴር ጀነራል ከማል ገልቹን፣ በቀለ ገርባን፡ ንውድቦም ወኪሎም ፊርመኦም ካብ ሞንጎ ዘንበሩ መራሕቲ እዮም።

"ድሌት መንግስቲ፡ ንህዝቢ ኦሮሞ ንቃለስ ኢና ዝብሉ ኣካላት፡ ቃልሶም ብሰላማዊ መንገዲ ክኸውን ኣለዎ" ዝበሉ ኣይተ ዴሬሳ፡ "ዘይምርድዳእ'ምበር ኦሮሞ ንኦሮሞ ቀቲሉ ዝርከብ ረብሓ የለን፣ ክሳራ እዩ" ይብሉ።

ተሓታቲ ነቲ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ምዕራብ ኦሮሚያ፡ ሰበ-ስልጣን ዒላማ ብምግባር ዝተፈፀመ ቅትለት ንምፍላይ ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ዝተዛረቡ ኣይተ ዴሬሳ፡ "ተዓጢቑ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ኣብ ዘለዎ ከባቢ፡ እከለ እዩ ምባል ኣይከኣልን፤ ነንሕድሕድ ምክሳስ እዩ ዝኸውን" ኢሎም።

ብሓፈሻ እዚ ዝፍፀም ዘሎ መጥቃዕቲ ደው ንምባል፡ "ከም መንግስቲ ኣፅዋር ኣየድልን ዝብል መትከል እዩ ዘለና" ብምባል፡ ተዓጢቖም ዝንቀሳቐሱ ወገናት ናብ ሰላማዊ መድረኽ ንክመፅኡ ከምዝደልዩ ሓቢሮም።

ዘይሕጋዊ ዝውውር ብረት ብምቁፅፃር፡ ከምዚ ዝኣመሰሉ ገበናት ንከይፍፀሙ ምግባር ከምዝከኣል'ውን ይገልፁ።

ዋላ እኳ ኣብ ምዕራብ ከባቢታት እታ ሃገር ንዝተፈፀሙ መጥቃዕትታት ሓላፍነት ዝወሰደ ጉጅለ እንተዘይሃለወ፡ ንሰበ-ስልጣናት መንግስቲ ዒላማ ዝገብር ተግባር ብምዃኑ ግና፡ ምናልባት ፖለቲካዊ ዕላማ ክህልዎ ከምዝኽእል ይግለፅ።

ገለ ሰብመዚን ነበርቲ እቲ ከባብን ግና፡ ቅድሚ ሕዚ ካብ ኦነግ ተነፂሉ ዝወፅአ ጉጅለ ነዚ መጥቃዕቲ ክፍፅም ከምዝኽእል ይጥርጥሩ።

ዋኣ እኳ፡ ሰላም እቲ ከባቢ ንምኽባር ኮማንድ ፖስት እንተተጣየሸ፡ ብዛዕባ እቶም ጥቕዓት ፈፀምቲ ኮነ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ብዛዕባ ዝተወሱ ስጉምትታት ግና፡ ክሳብ ሕዚ ዝሃቦ መግለፂ የለን።