እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሮማኒያ፡ 14 ሽሕ ኣባጊዕ ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ተገልቢጣ
እታ ልዕሊ 14 ሽሕ ኣባጊዕ ጽዒና ትማሊ ሰንበት ካብ ወደብ ሚዲያ ዝተበገሰት ዓባይ መርከብ፡ ኣብ ጥቓ መስመር ገማግም ጸሊም ባሕሪ [Black Sea] ከምዝተገልበጠት ተገሊጹ።
ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ዜጋታት ሶርያ ዝኾኑ 22 ኣባላት ብህይወት ተሪፎም ኣለዉ።
ሓደ ካብ ኣባላት'ታ መርከብ ብሰንኪ ትሑት ሙቖተ ሰብነት [hypothermia] ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ'ሎ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ግዳያት'ቲ ሓደጋ ምግልባጥ ዝኾና ኣባጊዕ ንምትራፍ ወፍሪ ምድሓን እናተኻየደ እዩ።
ዛጊት 32 ኣባጊዕ እናሓምበሳ ክርከባ ከለዋ፡ ዝበዝሓ ግን ጥሒለን ክኾና ከምዝኽእል ተሰጊኡ'ሎ።
"ውሑድ ቁጽሪ ክነድሕን ክኢልና ኣለና። ኣብቲ ባሕሪ ክሕምብሳ ዝጸንሓ እየን" ክትብል ወሃቢት ቃል ኣገልግሎታት እዋን ሓደጋ ከተማ ኮንስታንታ [ኣብ ደቡብ ምብራቕ ሮማንያ ትርከብ] ንቢቢሲ ተዛሪባ።
እቲ ነተን ኣባጊዕ ናይ ምድሓን ወፍሪ ሎሚ ሰኑይ'ውን ክቕጽል ምዃኑ ወሲኻ ሓቢራ።
እታ መርከብ ክትግልበጥ ዝኸኣለትሉ ምኽንያት ዛጊት ዘይተፈለጠ ኮይኑ፡ ነተን ኣባጊዕ ናይ ምድሓን ስራሕ ምስተኻየደን እታ መርከብ ምስተልዓለትን ምጽራይ ከምዝጅመር ሰበስልጣን ኣፍሊጦም።
እታ ካብ ወደብ ሚዲያ ዝተበገሰት ናይ ጽዕነት መርከብ፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ ጂዳ ትጓዓዝ ከምዝነበረት ተገሊጹ'ሎ።