ኤልዩድ ኪፕቸሆጌን ደሊላ ሙሓመድን ናይ 2019 ብሉጻት ኣትሌታት ዓለም ኮይኖም

Published

ዓለምለኻዊ ማሕበር ፌደሬሽናት ኣትሌቲክስ (ወርልድ ኣትሌቲክስ) ንኤልዩድ ኪፕቾጌን፤ ደሊላ ሙሓመድን፡ ናይዚ ዓመት ብሉጻት ተባዕታይን ኣንስተይትን ኣትሌታት ብዝብል ሸሊሙ።

ወዲ 35 ዓመት ኬንያዊ ኪፕቾጌ፡ ኣብ ማራቶን ሌንደን ንራብዓይ ግዜ ዝተዓወተ ኮይኑ፡ ንርሕቀት ማራቶን ትሕቲ ክልተ ሰዓት ብምውዳእ ሓድሽ ክብረወሰን ኣመዝጊቡ እዩ።

ኣብ ኦስትሪያ-ቪየና፡ ነቲ 42.2 ኪሎሜትሮ ርሕቀት ብ 1 ሰዓትን 59 ደቒቓን 40 ካልኢትን (ሰከንድ) ክውድእ ክኢሉ።

ኣብ ቀጠር-ዶሃ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፒዮንሺፕ ኣትሌቲክስ ዓለም 2019፡ ብጉያ መሰናኽል ወርቂ ዝረኸበት ኣሜሪካዊት ኣትሌት ደሊላ ሙሓመድ፡ ኣብዚ ዓመት ጥራይ ንክብረወሰን ዓለም ክልተ ግዜ ኣመሓይሻ'ያ።

"ንዓይ ዝተፈለየ ዓመት ነይሩ። ቁሩብ ክብድ እንተበለኒ'ኳ ግን ከኣ ሕጉስቲ'የ። ታሪኽ ክሰርሕ ብምኽኣለይ ብጣዕሚ እሕጎስ። ንመጻኢ ወለዶታት ዓብዪ መነቓቕሒ ከምዝኸውን እምነት ኣለኒ" ኢላ።

ኣብ ሻምፒዮንሺፕ ኣትሌቲክስ ዓለም 2019 [ቀጠር ዶሃ] ብ5000 ሜትሮ ብሩር ዝረኸበ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ፡ ተስፋ ዘለዎ መንእሰይ (male rising star) ብዝብል ተዓዊቱ'ሎ።

ንሱ፡ ካብ ምድብ ደቂ ተባዕትዮ ክሽለም እንከሎ፡ ካብ ደቂኣንስትዮ ከኣ ብዝላ ብራኸ ብሩር ዝረኸበት ዩክሬናዊት ያሮስሎቫ ማሁቺክ ተዓዊታ።

ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ድማ ናይዚ ዓመት ብልጽቲ ጓልኣንስተይቲ ዓለም ተሰይማ'ላ።

ደራርቱ፡ ብዓለምለኸ ሕብረት ፌደሬሸናት ኣትሌቲክስ ኣብ ዝዳለዉ ዓመታዊ ሽልማት'ያ ናይዚ ዓመት ብልጽቲ ጓልኣንስተይቲ [woman of the year] ክትኸውን ዝኸኣለት።

ንሳ ነዚ ሽልማት ክትበቅዕ ዝኸኣለት፡ ኣብ ውድድራትን ካብ ውድድራት ወጻእን ኣብ ኣትሌቲክስ ብዘለዋ ኣበርክቶ ከምዝኾነ 'ወርልድ ኣትሌቲክስ' ሓቢሩ።

ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንፌደሬሸን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብፕረዚደንትነት ኣብ ምምራሕ ትርከብ።