እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓንቲ ነብሰ-ጾር መንእሰይ፡ ኣብ ዱር ክትዛወር እንከላ ብኣኽላባት ተቐቲላ
ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ፡ ሓንቲ ነብሰ-ጾር መንእሰይ ኣብ ከባቢኣ ኣብ ዝርከብ ጫካ (ዱር) ክትዛወር እንከላ፡ ብዕስለ ኣኽላባት ከምዝተቐትለት መርመርቲ ፖሊስ ገሊጾም።
ሬሳ እታ ጓል 29 ዓመት ኤሊሳ ፒላስኪ፡ ኣብ ጥቃ ከተማ ቪላርስ ኮተረስ እዩ ተረኺቡ።
ንሳ፡ ምስ ሓሙሽተ ኣኽላባታ ኣብቲ ጫካ ክትዛውር እንከላ እያ፡ ብኣኽላባት ተቐቲላ።
መርማሪ ገበን ፍረድሪክ ትርኒህ ከምዝሓበሮ፡ ኣብ ላዕለዋይን ታሕታዋይ መሓውራ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ርእሳ ብዘጋጠመ መንከስቲ ከምዝሞተት ገሊጹ።
እቲ መንከስቲ ብዙሕ መድመይቲ ስለዘስዓበላ ከምዝሞተት ድማ ገሊጹ።
ፖሊስ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከቡ ኣስታት 93 ኣኽላባት መርመራ የካይድን፤ ብቕትለት ሰብ መርመራ ከፊቱ ከምዘሎን ሓቢሩ።
እቲ ካብ ኣኽላባት ዝተወስደ ዲ-ኤን-ኤ፡ ምስ ናይታ መዋቲት ተነጻጺሩ፤ ኣየኖት ኣኽላባት ከምዝቐተልዋን፡ ከምኡ'ውን ነቶም እንስሳታት መን ከምዝውንኖምን ክፍለጥ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።
እቶም ናይ ኤሊሳ ፒላስኪ ኣኽላባት'ውን፡ ኣብቲ መርመራ ኣቲዮም ከምዘለው ተሓቢሩ'ሎ።
ኤሊሳ ፒላስኪ፡ ነብሰ-ጾር ሽድሽተ ወርሒ እያ ነይራ። ንሳ ኣብቲ ጫካ (ዱር) እንከላ፡ ንመጻምዳ ኪሪስቶፈር ደዊላ ብዕስለ ኣኽላባት ተኸቢባ ከምዘላ ሓቢራቶ። ንሱ ድማ፡ ብኡ ንብኡ፡ ናብቲ ከባቢ ብምኻድ ሬስኣ ረኺብዎ።
ንሱ'ውን ኣብቲ ጫካ እንከሎ፡ ብኣስታት 30 ኣኽላባት ከምዝተኸበበን፡ ንድሕሪት ሃዲሙ ከምዘምለጠን ሓቢሩ።
ብሞት እታ መንእሰይ ዝሰንበዱ ስድራ-ቤታት፡ እቲ ካበቢ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ይጽሕፉ ኣለው።