እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ሓይልታት ኢራን ደብዳብ ኣካይዳ

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዒላማታት መንግስቲ ሶርያን ደገፍቱ ዝኾኑ ሓይሊታት ኢራንን መጥቃዕቲ ከምዘካየደት ገሊጻ።

እቲ ''መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ'' ነቶም ብሓይልታት ኢራን ናብ እስራኤል ዝተተኮሱ ሮኬታት ዓጸፋ ዝምልስ ከምዝኾነ ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ኣፍሊጡ።

ሶርያ ብወገና ክልተ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉን መብዛሕተኦም ናብ ደማስቆ ዝተተኮሱ ሚሳይላት ብሓይሊ ኣየር ሶርያ ተወቒዖም ከምዝወደቑን ገሊጻ።

ኣብ ርእሰከተማ እታ ሃገር ሓያል ነታጒ ከምዝተሰምዐን ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ከምዝኽእል ጸብጻባት ሓቢሮም።

ሰሉስ ንጉሆ፡ ኣርባዕተ ሮኬታት ናብ ሰሜናዊ እስራኤል ካብ ሶርያ ከምዝተተኮሱን፡ ይኹን 'ምበር ዒላማኦም ከይዘይወቕዑ ሚኒስትሪ ምክልኻል እስራኤል ገሊጹ ነይሩ።

እስራኤል ካብ 2011 (ኣኣ) ጀሚሩ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ደብዳባት ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዘካየደት ኮይና፡ እቲ ሕዚ ዝተኻየደ ደብዳብ ግን ካብቶም ኣዝዮም ሰፋሕቲ ዝባሃሉ ሓደ ከምዝኾነ ተገሊጹ።