እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እየሩሳሌም፡ ኣብ ጥቓ ምዕራባዊ መንደቕ "ጣቢያ ባቡር ትራምፕ " ክትሃንፅ ተሊማ
ሚኒስቴር መጓዓዚያ እስራኤል ኣብታ ጥንታዊት ከተማ መንደቕ ምብራቕ መገዲ ባቡር ክህነጽ ድሌት ኣለዎ።
ሚኒስትር እስራኤል ካቲዝ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ንምኽባርን እየሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል'ያ ንዝበሎን ኣፍልጦ ንምሃብ'ዩ ክብል ይገልጽ።
እዚ ምዕራባዊ መንደቕ፡ ዝተቐደሰን ኣይሁዳዉያን ክጽልይሉ ዝተፈቐደን ቦታ'ዩ።
እዚ ክህነጽ ተተሊሙ ይበሃል ዘሎ ጣቢያ ባቡርን ትሕቲ ምድሪ ዝርከብ መተሓላለፍን፡ ኣካል እቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክኽፈት ዝተትሓዘ ስሉጥ መንገዲ ቴልኣቪቭ'ዩ።
ቅድም ኢሉ እስራኤል ኣብ ጥቓ ሓጹር እቲ ምዕራባዊ መንደቕ ተካይዶ ኳዕቲ፡ ዓመጽ ፍልስጤም ከልዕል ጸኒሑ'ዩ።
ኤጀንሲ ባህሊ፣ ትምህርትን ሳይንስን ዉድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) እዛ ጥንታዊት ከተማ ሓድጊ ዓለም ክኾን ዝሓጸያ እንትኾን፡ ኣብ ዙርያ ዝካየዱ ስራሕቲ ኳዕትን ህንጸት በዓትን ከምዘተሓሳስቦ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።
ሚኒስትር ይስራዜል፡ ንጋዜጣ እታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ካብ ቴልኣቪቭ ናብ እየሩሳሌም ዝዝርጋሕ መገዲ ምስፋሕ እቲ ሚኒስቴር ሒዙዎ ዝጸንሐ "ኣዝዩ ጠቓሚ ሃገራዊ ፕሮጀክት'ዩ" ኢሎም።
እቲ ሚኒስቴር፡ ብኮሚቴ መንገዲ ባቡር ኣብ ምብራቕ እየሩሳሌም ካብ ዝርከብ ጣቢያ ቢንያኔ ሁማ ክሳብ ምዕራባዊ መንደቕ ዝዝርጋሕ 3 ኪሎ ሜትር መንገዲ ንምህናጽ ዝቐረበሉ ትልሚ ከምዘጽደቐ ድማ ሓቢሮም።
ኣብቲ ዝሓለፈ ቅነ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ እየሩሳሌም ርእሰ ከተማ እስራኤል እያ ኢሎም ዝሃብዎ ኣፍልጦ ባይቶ ጸጥታ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ብኣብዝሓ ድምጺ ኣይተቐበሎን።
ጉዳይ እየሩሳሌም፡ ሃገራት ፍልስጤምን እስራኤልን ክጓነጻ ምኽንያት ክኾነን ጸኒሑ'ዩ።
ካብ 1967 ኣትሒዙ እስራኤል፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ተቐባልነት ዘይብሎም ኣስታት 200 ሽሕ ኣይሁዳዉያን ዘስፈሩ ኣባይቲ ኣብ ምብራቕ እየሩዳሌም ሃኒጻ'ያ።