ኡጋንዳ፡ ናብ ተጠቀምቲ ዝተዘርግሐ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኮንደም ክእከብ ጀሚሩ

ኮንዶማት

ምንጪ ስእሊ, Marie Stopes Uganda

መግለጺ ስእሊ, ማሪስቶፕስ፡ ኣብቶም ኮንደማት ዘሎ ጸገም ንምፍላጥ ምርመራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ
Published

ኣብ ጥዕና ስነ-ተዋልዶ ዝሰርሕ ትካል ግብረሰናይ ማሪስቶፕስ፡ ኣብ ኢጋንዳ ናብ ተጠቀምቲ ዝተዘርግሐ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኮንደም ቅድሚ ናብ ኣገልግሎት ምውዓሎም ክእከቡ ጸዊዑ።

በዓል መዚ ኣፋውስ ኡጋንዳ ከምዝሓበሮ፡ ገለ ካብቶም ኣብ ህንዲ ዝተሰርሑ ኮንዶም ቅዳድ ዘለዎምን ብቐሊሉ ክቕደዱ ዝኽእሉን ምዃኖም ብምርመራ ተፈሊጡ'ሎ።

ግብረሰናይ ትካል ማሪስቶፕስ ንልዕሊ 33 ሃገራት ኣገልግሎት ምውጣን (ምጣነ) ስድራቤት ዝህብ ኮይኑ፡ ኣብ ኡጋንዳ ድማ በብወርሑ ካብ 1.5 ክሳብ 2 ሚልዮን ኮንዶም የቕርብ።

ኣብ ኡጋንዳ ካብ ዝርከቡ ዓቕመ ኣዳም/ሄዋን ዝበጽሑ ዜጋታት እቶም 6% ሚእታዊት ኣብ ደሞም ቫይረስ ኤች ኣይ ቪ ከም ዘለዎም መረዳእታ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ካብ ሓፈሻዊ ህዝቢ'ታ ሃገር 11% ሚእታዊት ጥራይ፡ ብውጥን ስድራ-ቤት ከም ዝጠንሱ ካልኦት መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ማሪስቶፕስ፡ እቲ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኣብታ ሃገር ካብ ዝህቦ ኣገልግሎታት ንፈለማ እዋን ዝተርኣየ ትኹረት ዝደልይ ጉዳይ ምዃኑ ሓቢሩ'ሎ።

እዚ መጸዋዕታ [ዝተዘርግሐ ኮንደም ናይ ምእካብ ጻውዒት] ክቐርብ ዝኸኣለ፡ ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ጥቅምቲ በዓል መዚ ኣፋውስ ኡጋንዳ ናብ ማሪስቶፕስ ሓበሬታ ብምሃቡ'ዩ።

ዛጊት ብመሰረት'ቲ ዝቐረበ ጻውዒት፡ ልዕሊ ፍርቂ ክእከብ ከም ዝተኽኣለ እቲ ትካል ሓቢሩ።