ዓለማዊ መዓልቲ ሽቓቕ፡ ህይወት ህንዳውያን ሰራሕተኛታት ጽርየት

ናይ ጽርየት ሰራሕተኛ
Published

ሱድሃራክ ኦልዊ፡ ህይወት ህንዳውያን ሰራሕተኛታት ጽሬት፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ክስንድ ጸኒሑ።

እቲ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ዝርከብ ስራሕ ንዝተወሰኑ ተገሊሎም ዝጸንሑ ማሕበረሰብ ዝተገደፈ እዩ።

እታ ሃገር ቅልጡፍ ዝኾነ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ቴክኖሎጂያውን ዕብየታት እኳ እንተመዝገበት፡ ህይወት ናይቶም ኣብዚ ስራሕ ተዋፊሮም ዝነብሩ ማሕበረሰብ ግን ክልወጥ ኣይከኣለን።

እዞም ብኦልዊ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝተስኣሉ ስእልታት ኣካል ዓለማዊ መዓልቲ ሽቓቕ ሕቡራት ሃገራት 2019 ኮይኖም ዝቐረቡ እዮም።

ሰራሕተኛታት ጽርየት

ጉሓፍ ብኢደን ዝኣርያ ኣባላት ማሕበረሰብ ቫልሚኪ

ሰራሕተኛታት ጽርየት

''ኣብዚ ከባቢ ኣብ ዝርከቡ ቤት መግቢታት ሻሂ ክንሰቲ ኣይፍቀደናን'' ትብል በቲባይ ቫልሚኪ።

''ናብ ንኣሽቱ እንዳ ሻሂታት እንተኣተና 'ውን፡ ተጠቒምካ ብዝድርበ መስተዪ እዮም ዝቐድሑልና፤ ንካልኦት ግን በቲ ስሩዕ መስተዪ ይህቡዎም''

መብዛሕትአን ደቂ ኣንስትዮ ብሕማም ዓሶን ኣዝማን ዝተጠቕዓ እየን፤ ዝኾነ ዓይነት መድሕን ጥዕና የብለንን።

ጓል 42 ዓመት ሙከሽደቪ ምስ ቤተሰባ

ጓል 42 ዓመት ሙከሽደቪ ኣብ ወርሒ 2 ሽሕ ሩፒ ወይ ድማ 20 ፓውንድ ይኽፈላ።

ጓል 42 ዓመት ሙከሽደቪ

''ካሊእ እንታይ መማረጺ ኣለና?'' ትብል።

''ድኳን እኳ እንተኸፊትና፡ ቫልሚክ ስለዝኾና ማንም ሰብ ካባና ኣይገዝእን።''

ሳንቶሽ ምስ ቤተሰቡ

ሳንቶሽ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን፡ ኣብ ኣማንጋንጅ ይሰርሕ።

ኣብ 1992 (ኣ.ኣ) ናብ ናይ ሽቓቕ ጉድጓድ ካብ ምጥሓል ንስክላ ወጺኡ፤ መሓዝኡ ግን ሞይቱ።

ሽዑ ኣብ ኣዒንቱ ቀዋሚ ጉድኣት ዝበጽሖ ሳንቶሽ፡ ምንም ዓይነት ካሕሳ ኣይረኸበን።

እቶም ሰራሕተኛታት፡ ካብ ዝደረቐ ዓይኒ-ምድሪ፡ ብኢዶም ርስሓት (ቀልቀል) ከውጽኡ ይግደዱ።

ማቱ፣ ሳሺ ባልመክን ራጁ ዱማርን

ኣብ ኣግራ ሞሃላ ዝነብሩ ማቱ፣ ሳሺ ቫልሚኪን ራጁ ዱማርን መዓልታዊ ካብ ሰዓት 5፡00 ክሳብ 13፡00 ይሰርሑ፤ ወርሓዊ ድማ 7 ሽሕ ሩፒ ይኽፈሎም።

ጊታ ማቱ ኣብ ጥቓ ዝሞተት ላሕሚ

'' ምንም ዓይነት ክብሪ ኣይትረክብን'' ትብል ጊታ።

''ሕማቕ ኣተሓሕዛ'ዩ ዝግበረልና። ምስጋና ዘይርከቦ ስራሕ እዩ።''

ኣባላት ማሕበረሰብ ዶም

ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ኣብ ጫፍ ቲላይ ጋኦን፡ ባህር ዝነብሩ ማሕበረሰብ ዶም፡ ብባርዕ ሓዊ ዓሰርተ ገዛውቲ ነዲድዎምን ብዙሓት ከብቲ ሞይተነኦምን።

በዚ ምኽንያት መለለዪ መንነትን ቀለብ መቐበሊ ወረቐትን ስለዝጠፍኦም፡ ዝኾነ ካሕሳ ኣይረኸቡን።

ኣባል ማሕበረሰብ ሰብ ዝኾነት ሰበይቲ