ኣብ ኬንያ ተምሃሮን መምህራንን ብምኽንያት ናይ ተግባር ፈተና ሓሚሞም

ምንጪ ስእሊ, Pacific Press
Published
ኣብ ኬንያ ኪሱሙ ኣብ ዝተበሃለ ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ'ዩ እቲ ክስተት ተፈጢሩ።
እቶም ተምሃሮን መምህራንን ዝሓመሙሉ ምኽንያት ከኣ ተምሃሮ ንተግባር ፈተና ኬሚካላት ኣብ ዘዋህዱሉ እዋን ብዝተፈጠረ ትነት ጋዝ'ዩ።
ካብ ሞንጎ ዝሓመሙ መምህራን ሓንቲ ነብሰጹር ኣብ ጽንሳ ጸገም ከምዝተፈጠረ ተገሊጹ'ሎ።
ተምሃሮ ንተግባር ፈተና 'ሳይክሎሄክሳን' ዝተበሃለ ባእታ ክጥቀሙ እናተገብኦም 'ዛይለን' ዝተበሃለ ክጥቀሙ ብምኽኣሎም'ዩ ተባሂሉ።
እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ እቲ ዝድለ 'ሳይክሎሄክሳን' ዝተባሀለ ባእታ ኣብ ኬንያ ክርከብ ብዘይምኽኣሉ፡ ነቲ 'ዛይለን' ዝተበሃለ ክጥቀሙ ኤጀንሲ ሃገራዊ ፈተናታት ኬንያ መምርሒ ብምሃቡ እዩ።
ትነት ዛይለን (ሃፋ) ብቑሩብ'ውን እንተስሒብካዮ ሕማም ርእሰን ካልኦት ስምዒታት ሕማምን ከስዕብ ይኽእል። ክሳብ ሞት'ውን ከምዘብጽሕ ይግለጽ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ነዚ ባእታ ክጥቀም መምርሒ ዝሃቡ ሓለፍቲ'ቲ ኤጀንሲ፡ 'ብዛዕብኡ ፍልጠት ነይርዎም'ዶ ኣይነበሮምን?' ገና ኣይተነጸረን።
ናይቲ ቤት ትምህርቲ መምህራን ግን በቲ ዝተፈጠረ ሓደጋ ንኤጀንሲ ሃገራዊ ፈተናታት ኬንያ ተሓታቲ ይገብሩ።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
