ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንተኸሳሲ ኲናት ኮንጎ ን30 ዓመት ክእሰር ፈሪዱ

ቦስኮ ንታጋንዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቦስኮ ንታጋንዳ ኣብ ቤት ፍርዲ
Published

ዓለማዊ ቤት ፍረዲ ገበነኛታት ንሓደ መራሒ ዕጡቕ ጉጅለ ደሞክራስያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝነበረ ውልቀሰብ፡ ብገበን ኲናትን ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበነኛ ኮይኑ ስለዝረኸቦ ን30 ዓመት ማእሰርቲ ፈሪዱዎ።

በሽም 'ተርሚነተር' ዝፍለጥ ነበር መራሒ እቶም ተቓወምቲ ቦስኮ ንታጋንዳ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ቅትለት፣ ጾታዊ ጊላነትን፡ ህጻናት ንውትህድርና ምምልማልን ሓዊሱ ብ18 ክሲታት ቀሪቡሉ።

እሙናት ወታሃደራት ንታጋንዳ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጨፍጫፍ ከምዘካየዱ ዳያኑ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ኣረጋጊጾም እዮም።

እቲ ብይን፡ እቲ ቤት ፍርዲ ክሳብ ሐዚ ካብ ዝሃቦም ፍርዲታት እቲ ዝነውሐ እዩ።

ኣብቲ መጋባእያ ብወተሃደራት ንታጋንዳ ዝተፈጸሙ ገበናት ብዝርዝር ቀሪቦም። ሓደ ካብቶም ዘስካሕክሑ ገበናት ድማ፡ ዛንታ ሓንቲ ጾታዊ ዓመጽ ዝተፈጸማ፡ ንብዙሕ ዓመታት ተደጋጋሚ መጥባሕቲ ዝካየደትን ብዝሓደራ ፍርሒ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድ ዘይረከኣለትን ጓል 13 ዓመት ህጻን ቀሪቡ።

ቦስኮ ንታጋንዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንታጋንዳ ብጾታዊ ጊላነት ዝተፈረዶ ፈላማይ ሰብ እንትኾን፡ እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ 2002 ካብ ዝኽፈት ንማእሰርቲ ካብ ዝፈረዶም እዚ ራባዓይ'ዩ።

እቲ ወዲ 46 ዓመት ገበነኛ፡ ኣብ ሩዋንዳ ዝተወለደ ኮይኑ ኣብ ሩዋንዳን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ኣብ ዝተኻየዱ ሓያሎ ጎንጺታት ተሳቲፉ እዩ።

ንሱ ኣብ 2013 ኣብ ሩዋንረዳ ንዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ እዩ ኢዱ ሂቡ።

ንታጋንዳ ኣብ ጉጅለ ዓመጽቲ ኤም23 ዝነበሮ ስልጣን መሪሕነት ምስ ሰኣነ፡ ክበጽሖ ካብ ዝኽእል ሓደጋ ንምትራፍ ኢዱ ከምዝሃበ ይንገር።

ነቲ ዝተውሃቦ ብይን ይግባይ ሓቲቱ ከምዘሎ 'ውን ተገሊጹ።