እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካሊፎርንያ፡ ብቕትለት ሰባት ዝተጠረጠሩ እሱራት፡ ካብ ጽኑዕ ቤት-ማእሰርቲ ሃዲሞም
ፖሊስ ካሊፎንያ፡ ካብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ንዘምለጡ ክልተ ገበነኛታት ንምሓዝ ስእሎም ዘርጊሑ'ሎ።
እዞም ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ካብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ዘምለጡ፡ ሳንቶስ ሳምወል (21 ዓመት) ከምኡ'ውን ጆናታን ሳለዘር (30 ዓመት)፡ ብቕትለት ሰብ ገበነኛታት እዮም ተባሂሎም ፍርዶም ይጽበዩ ምንባሮም እዩ ዝግለጽ።
እቶም እሱራት፡ ኣብ ሽቃቕ ብዝርከብ ቦሎፎን ቀዲዶም ከም ዝወጽኡ እዩ ተሓቢሩ።
ሰብ-መዚ እቲ ቤት-ማእሰርቲ፡ ነቶም ዝተሰወሩ ገበነኛታት ኣብ ምንዳይ ተዋፊሮም ከምዘለውን፡ እቶም እሰረኛታት ብረት ሒዞም ክህልው ከም ዝኽእሉን፡ ሓደገኛታት ምዃኖምን ገሊጾም ኣለው።
ነቶም ገበነኛታት ዳግማይ ኣብ ቀይዲ ንምእታው፡ ዝኾነ ሓበሬታ ዝሃበ ሰብ 5000 ዶላር ሽልማት ክሀቡ መዲቦም ከምዘለው እውን እቶም ፖሊስ ገሊጾም።
እዞም ክልተ ገበነኛታት፡ ዝሓለፈ ዓመት እዮም ብቕትለት ሰባት ተኸሲሶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዮም።
ሳንቶስ ሳምወል፡ ኣብ ሰነ 2018፡ ንሎረነዞ ጎመስ ከምኡ'ውን ንኤርነስቶ ገራሳ ብምቕታሉ እዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮ።
ጆናታን ሳለዘር'ውን ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ 2017 ንጃሚ ማርቲነዝ ብጥይት ተኩሱ ብምቕታሉ እዩ ተኸሲሱ ተኣሲሩ ነይሩ።
ክልቲኦም ግን፡ ነቲ ዝቐረበሎም ክሲ ነጺጎሞ እዮም።