40 ሚሊዮን ዶላር ዘውጽእ ዋኒን ዝፈጠረ ምቁር ሓሳብ

Published

ታራ ቦሽ መስራቲትን ዋና ኣካያዲትን ናይ`ቲ ትሑት መጠን ሽኮር ዘለዎ ካራሜለ ዘፍሪ ትካል ስማርት ስዊትስ እያ። ንሳ ንነብሳ ከም "ውልፍቲ ናይ ካራሜለ"ነበር ገይራ`ያ ትገልጻ።

"ካራሜለ ወይ ሓለዋት ንምግዛእ መዓልታዊ ኣብ 7-11 [ካራሜለ ዝሽየጠሉ ቦታ ምዃኑ`ዩ] እርከብ ነይረ" ትብል`ታ ጓል 25 ዓመት ታራ።

"እናዓበኹ ምስ ከድኩ ግን ሽኮር ክሳብ ክንደይ ንቕርጺ ኣካላተይ፣ ንያተይን ብዛዕብኡ ዝነበረኒ ኣረኣእያን ይትንክፎ ከምዝነበረ ተረዲኡኒ" ድማ ትብል።

ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ዘይሕጉስትን ዘይጥዕይትን ከምዝነበረት ምስ ተረድአት ግን፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ሽኮራዊ መግቢ ምብላዕ ደው ኣቢላ። ኣብ ኣዝዩ ሓጺር እዋን ድማ ጽቡቕ ክስመዓ ከምዝጀመረ ትገልጽ።

እንተኾነ ግን ነቲ ትወስዶ ዝነበረት ሽኮራዊ መግቢ ስለ ዝናፈቐቶ ኣብ ክሽነ ናይ`ቲ ኣብ ከተማ ቫንኮቨር ናይ ካናዳ ኮይና ሽኮር ዘይኣተዎ ናይ ባዕላ ኣማራጺታት ከተዳሉ ጀሚራ።

ኣብ ሓጋይ ናይ 2015 ዓይነታት ኣሰራርሓ ድሕሪ ምፍታና ድማ "ሃሰው ኣብ ምባል ከይደ" ትብል። ብስርሓ ዕግበት ምስ ረኸበት ድማ ናይ ንግዲ ዕድል ክህሉ ከምዝኽእል ተረድእ።

ኣብ ቀውዒ ናይ`ቲ እዋን`ቲ ድማ ዝላ ናይ እምነት ብምግባር ነቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪቲሽ ኮሎምቢያ፡ ትወስዶ ዝነበረት ትምህርቲ ስነ-ጥበባት ዓውደ-ፍልጠት ኣቋሪጻ ነቲ ናይ ንግዲ ሓሳባታ ንምትግባር ኣንቂዳ።

ጓል 21 ዓመት ጥራይ ብምንባራ ናይ ልቓሕ ኣፍልጦኣ ድሩት`ዩ ነይሩ፡ እታ እንኮ ርእሰ-ማላ ሓንቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝገበረት ሆንዳ ዝዓይነታ መኪና ጥራይ`ያ ነይራ። ንመፈተኒ ዝኸውን መርኣያን ርእሰ-ተኣማንነትን ተዓጢቓ ግን መበገሲ ዝኾና 105,000 ዶላር ናይ ካናዳ ክትረክብ ክኢላ።

እዛ ኣብ ቫንኮቨር ዝመደበራ ኩባኒያ ስማርት ስዊትስ ናይ 2019 እቶታት ልዕሊ 50 ሚሊዮን ናይ ካናዳ ዶላር ክበጽሕ`ዩ። ዓይነታት ምህርትታታ ኣብ ጽላት ናይ`ቲ ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ብናህሪ ዝዓቢ ዘሎ ትሑት ሽኮር ዘለዎም ካራሜላታት መሪሕ ዕዳጋ`ዮም።

"ሎምዘመን ህዝቢ ልዕሊ ሓደ ቢሊዮን ግራም ሽኮር ክንክይ ንሕግዝ ኣለና" ትብል ንሳ።

ታራ ነቲ ንመጀመሪ ዝኾና ርእሰ- ማል ንምርካብ ናይ ክልተ ዓመት ናይ ዕቤት ትንበያ ዘለዎ ጽጹይ ዝኾነ ናይ ንግዲ ውጥን ከተዳሉ ነይርዋ። ብዘይ ምፍራሕ ድማ ናይ ህይወት መድሕን ክትወስድ ናይ ግድን ነይሩ።

"ሓደ ካብ ጠለባት ናይ`ቶም ኣብ`ቲ ውዕል ዝተሳተፉ ኣካላት መድሕን ህይወት ምውሳድ`ዩ ነይሩ፡ ንዕኦም ዘርብሕ ድማ ክኸውን ነይርዎ" ኢላ ታራ።

ካብ ሽኮር ነጻ ወይስ ኣይፋል?

እትወስዶ ሽኮር ንምንካት ትውጥን እንተደኣ ሃሊኻ`ሞ ምቁር ስኒ እንተሃልዩካ፡ ካብ ሽኮር ነጻ ዝኾነ ካራሜላ ምውሳድ ኣቲ ዝበለጸ`ዩ ይብሉ ክኢላታትታ ኣመጋግባ። እንተኾነ ግን ትሕዝቶ ካርቦሃይድሬት ክህልዎም ይኽእል`ዩ፡ ገሊኦም ድማ ዓቢ ካሎሪ ክህልዎም ስለዝኽእል ዓቢ ዝቕባበ ስብሒ ክህልዎም ይኽእል።

"ዋላ`ኳ ሓደ ምህርቲ `ሽኮር የብሉን እንተተባህለ` ጥዕና ይህብ`ዩ ማለት ከምዘይኮነ ግን ምዝካር የድሊ" ኢሉ ይምዕድ ማሕበር ልቢ ኣሜሪካ።

ሓደ ሓደ ዜሮ መጠን ካሎሪ ዘለዎም መማቕርቲ [ስዊትነርስ] ሸውሃት ክኸፍቱ ከምዝኽእሉ ሓደ ሓደ መጽናዕትታት ሓቢሮም። እዚ ድማ መጠን ዝወስድዎ ካሎሪ ክድርቱ ንዝጽዕሩ ሰባት ይዕንቅጽ።

ታራ፡ እቲ ዘድልያ ለቓሕ ምስ ረኸበት፡ ኣምረትትን ኣቕረብት ንምንዳይ ኣብ ኢንተርነት ሃሰስ ክትብል ጀሚራ።

"ኣብ ሓጺር እዋን፡ ፍረ ዘይብሉ ተደጋጋሚ መስርሕ ምፍታንን ምግጋይን [ትራያል ኤንድ ኤረር] ተጀሚሩ፡ ተደጋጋሚ ናይ ሃሰሰ-ለባም ፈተነታት ድማ ስዒቡ " ትብል ንሳ።

ነቶም ባህላውያን ምቁራት ካራሜላታት ንምቕያዕ/ንምቕዳሕ፡ ታራ ኣብ ተኽሊ ዝተመርኮሰ ጽሕጊታትን እቲ ስተቪያ ዝተባህለ ናይ ተፈጥሮ መማቕርቲ`ውን ፈተነት።

ናይ ፈለማ ዓማዊል ንምርካብ ድማ ኢመይል፣ ቴለፎን፡ ብኣካል ምዝርራብን "ሊንክድኢኒንግ"ን ተጠቒማ። እታ ኣብ ቫንኮቨር ዝመደበራ ቾይስስ ማርኬት ድማ ፈላሚት ተቐባሊትን ሸያጢትን ምህርቲ ናይ ታራ ንምዃን ውዕል ከቲማ። ኣብ`ታ ፈላሚት ርክብ ኣዝያ ተጨኒቓ ከምዝነበረት ትዝክር ታራ።

"ብቐጻሊ ተሌፎን ደዊለሎምን ኢመይል ጽሒፈሎምን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብኣካል መጺእኪ ኣዘራርብና ኢሎሙኒ" ኢላ ንሳ። "ኣብ ኣፍደጊኦም ምስ በጻሕኩ ግን ኣዝየ ተጨኒቐ ስለዝነብረኩ፡ ብፍርሒ ዝኣክል ጥራይ ከይረኸብኩዎም መኪናይ ኣልዒለ ተመሊሰ ከይደ።

"መሊሰ ድማ ተመሊሰ ከይደ ረኺበዮም ተዛቲና። ፈለምቲ ሸየጥቲ ስማርት ስዊትስ ናተይ ድማ ኮይኖም"።

ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ንኣሽቱ ድኳናት ካናዳ ኣሰሮም ተኸቲለን። "ከም ዝበልክዎ፡ ዘይምህላል`ዩ" ትብል ታራ።

"ወነንቲ ትካላት ንምርኻብን ምዝታይን ሕራይ ክሳብ ዝብሉ፡ ብኢመይልን ብኣካል እናረኸብኩን ከይተሓለልኩ ብጽንዓት ኣእሚነዮም"።

ታራ ናይ ፈለማ ኣሜርካውያን ዓማዊላ ኣብ 2018 ረኺባ፡ ኣብ እዋን`ዚ ድማ 80 ሚእታዊ ስማርት ስዊትስ ኣብ ኣሜሪካ ይሽየጥ። ሕጂ ድማ መሸጣ ናይ ስማርት ስዊትስ ብመንገዲ ኣቕረብቲ ይሽየጥ።

ኣሜሪካዊ ዋኒንተኛ መግብን ሃንዳሳይን ስኮት ሰመል ብናይ ታራ "ዊንታ" ከምዝተመሰጠ ይዛረብ።

"ዓመታዊ 50 ሚሊዮን ዶላር እቶት ዘለዎ ትካል ኣዝዩ ዕዉት`ዩ" እቲ ናይ ባዕሉ ኩባኒያ ከረሜላ ኣብ 2016 ዝሸጠ።

"ጽላት ከረሜላ ብውሑዳት ዓበይቲ ትካላት ዝተባሕተ ብምዃኑ ሓሙሽተ ሚሊዮን ዶላር ንምርካብ`ውን ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ብዛዕባ ታራ ኣብ 2019፡ 50 ሚሊዮን ዶላር መኽሰብ ምርካባ ዝያዳ ዝምስጠካ ነገር ድማ እቲ ናብ`ኡ ንምብጻሕ ዝወሰደላ ሓጺር እዋን`ዩ።

"ታራ ልዑል ተሰምዖ ናይ`ቲ ዕዳጋ ኣለዋ፡ ኣዝያ ኣቐዲማ ድማ`ያ ትሓስብ"።

እታ ሕጂ ን47 ሰባት ቆጺራ እተስርሕ ታራ ስማርት ስዊትስ ካብ ሰሜን ኣሜሪካ ወጻኢ ሰደድ ክትገብር ትሓስብ። ዓወት ናይ`ቲ ኩባንያ ብጻዕርን ቆራጽነትን`ዩ መጺኡ ትብል ንሳ።

"ዕውትቲ ንምዃን ክሳብ ክንዲ`ቲ ጥቅውቲ ወይ ኣትለቲካዊት ኣይነበርኩን," ትብል ታራ። "ብሓቂ ባህርያዊ ተርባጽ፣ ብልሓተኝነትን ናይ ምትግባር ታለንት ደኣ`ምበር ፍሉይ ክእለት ኣይነበረንን።

"ሓይሊ ናይ`ዞም ሰለስተ ነገራት ተወሃሂዱ ድማ`ዩ ንስማርት ስዊትስ ኣብ`ዚ ኣብጽሒዋ" ኢላ ታራ።