ኢራቕ፡ ቁጽሪ ዝተቐተሉ ሰልፈኛታት ናብ 60 ክብ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ኢራቕ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ተቃውሞ ኣንጻር መንግስቲ፡ ቁጽሪ ምውታት ናብ 60 ክብ ከምዝበለ ካብ ሕክምና ዝተረኸቡ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብ ሞንጎ ፖሊስ ኢራቕን ብሰልፊ ተቃውሞ ንምግላጽ ናይ ዝወጽኡ ህዝብን ብዝተለዓለ ጎንጺ ቅጽሪ ምውታት ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ብዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ተነጊሩ።
ወተሃደራት ካብ መን ከምዝተተኮሰ ዘይተነጸረ ቀጭ ሕርሙ (ስናይፐር)፡ ኣብ ከተማ ባቕዳድ ክልተ ፖሊስ ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰባት ከምዝቐተለ ኣፍሊጦም።
እዚ ተቃውሞ ብሰሉስ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኢራቃውያን ነቲ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ኣሎ ዝብልዎ ሽቕለት ኣልቦነት መንግስቲ ኣቓልቦ ንኽህቦ እዮም ተቃውምኦም ከስምዑ ጀሚሮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓደል ዓብደል ማህዲ ንሰልፈኛታት "ሕጋዊ ጠለብኩም ሰሚዕናዮ ኣለና" ድሕሪ ምባል፡ ሰልፈኛታት ክሃድኡ ጸዊዑ ነይሩ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓደል ዓብደል ማህዲ ኣብ ሰልጣን ካብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝመልኣሉ ዘሎ፡ እዚ እቲ ዝዓበየ ተቃውሞ እዩ ዘጋጥሞ ዘሎ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሰልፈኛታት ክሃድኡ እኳ እንተጸወዐ፡ ኣብ ከተማ ባቅዳድ፡ ዘይእዉጅ ሰዓት እቶእቶ ተኣታትዩ፡ ኢንተርኔት'ውን እንተተቃረጸ ቁጽሪ ሰልፈኛታት ግን ኣይነከየን።
ሮይተርስ፡ ፖሊስ ናብቶም ናብ ኣደባባይ ጣሂሪ ዝጽግዑ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ጥይት ይትኵስሎም ከምዝነበሩ ይገልጽ።
እቲ ጸብጻብ፡ በቲ ጠያይቲ ገሊኦም ኣብ ርእሶም ገሊኦም ኣብ ከብዶም ዝተሃረሙ ሰልፈኛታት ከም ዝነበሩ ይሕብር።
ብመሰረት ካብ ሰብ መዚ ጸጥታን ሕክምናን ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ዓርቢ ጥራይ ብውሕዱ 10 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ተገሊጹ።
ክሳብ ሕጂ ሽዱሽተ ኣካላት ጸጥታ ኢራቕ ዝርከብዎም ብውሑዱ 60 ሰባት ከም ዝተቐተሉን ኣማኢት ከም ዝቖሰሉን ክግለጽ ተኻኢሉ ኣሎ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
