ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ክሳብ ዲግሪ ብሓባር ዝተምሃሩ ኣቦን ወድን

ሼህ ካሚል ኣሊዩ ቃሲም ምስ ወዶም ረመዳን

ምንጪ ስእሊ, Remedan Kamil

መግለጺ ስእሊ, ሼህ ካሚል ኣሊዩ ቃሲም ምስ ወዶም ረመዳን
Published

ሽኽ ካሚል ኣሊዩ ቃሲም፡ ኢማምን መምህር ዩኒቨርስቲን ኮይኖም ሽድሽተ ቆልዑ ኣለውዎም። ምስ ወዶም ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ክሳብ ዲግሪ ተማሂሮም።

ንቦኽሪ ውላዶም ረመዳን ካሚል ትምህርቲ ከመዝግብዎ ምስወሰድዎ ንባዕሎም'ውን ክመሃሩ ወሲኖም። ምስ ወዶም ፊደል ቆጺሮም፤ ዩኒቨርሲቲ ኣትዮም ተመሪቖም።

ሸኽ ካሚል፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ባሌ ጎባ'ዮም ዝነብሩ። ምስ ወይዘሮ ዛህራ ሙሓመድ ሓዳር መስሪቶም ካብ ዘፍረይዎም ቆልዑት ሓደ፡ ረመዳን'ዩ።

ወዶም ኣብ ቱሉ ዲምቱ ናብ ዝርከብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህሪ ሒዞም ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ስሙን ስሞምን ኣመዝጊቦም።

ሽዑ ምስ መምህራን ሰላምታ ተለዋዊጦም፤ ስሒቖምን ተጻዊቶምን ንወዶም ምስ ኣመዝገቡ "በል ኣብኡ ከለኻ ካሚል ኣልዩ ኢልካ ጸሓፍ" በልዎ ነቲ መዝጋቢ።

"እቲ ዝምዝግብ ዝነበረ ሰብ ስሒቑ" ይብሉ ሸኽ ካሚል ብተዘክሮ። "ቀለም ሓቀኛ'ዩ ስቕ ኢልኩም መዝግቡኒ" በልዎም።

ናይቶም መዝገብትን መምህራንን መልሲ ግን "ስራሕ ክንፈትሕ'ንዶ ኣይግበሩ፤ ደሓራይ ተራኺብና ሻሂ ቡን ክንብል ኢና፤ ንሕዚ ኺዱ" ዝብል ነይሩ።

እንተኾነ እዞም ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘሎ መስጊድ ብኢማምነት ዝፍለጡ ሃይማኖታዊ ኣቦ፡ ኣብ ጎባ ዝኽበሩ ዓብይ ዓዲ ብምዃኖም፡ 'ክመሃር' ኢሎም ብምእባዮም ክመዝግብዎም ወሰኑ።

ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 1993 ምስ ወዶም ቀዳማይ ክፍሊ ተመዝጊቦም ናብ ገዝኦም ተመሊሶም።

ትምህርቲ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ምስ ወዶም ደፍተር ሒዞም ናብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ክበጽሑ ከለዉ፡ ምስ መምህር ኣለማየሁ [ናይ እንግሊዝኛ መምህር] ተራኺቦም።

እቶም መምህር "ሸኽ ወድኹም ሒዝኩም'ዶ መጺእኹም?" ምስ በልዎም፡ መልሲ ሽኽ "ወደይ ኣምጺኤ ንባዕለይ'ውን መጺኤ" ዝብል ነይሩ።

ናብ መምሃሪ ክፍሊ ክኣትዉ ኣብ ዝፈተኑሉ ሽዑ መዓልቲ ድማ፡ [ተመሃሮን መምህርን ኣትዮም ስለዝነበሩ] ነቲ ማዕጾ ምስኳሕኩሑ፡ ማዕጾ ዝኸፈተ መምህር ንኽኣትዉ ከፍቅደሎም ኣይከኣለን።

ወዶም ገዲፎም ንኽምለሱ ምስተዛረቦም "ክኣትው'የ" በልዎ። ምስ ወዶም ዝተመዝገብሉ ወረቐት ኣርእዮም ድማ ናብ ክፍሊ ኣተዉ።

ሼህ ካሚል ኣሊዩ ቃሲም ምስ ወዶም ረመዳን ኣብ ኣርባምንጭ እናተዘናግዑ

ምንጪ ስእሊ, Remedan Kamil

መግለጺ ስእሊ, ሼህ ካሚል ኣሊዩ ቃሲም ምስ ወዶም ረመዳን ኣብ ኣርባምንጭ እናተዘናግዑ

ቢቢሲ-ናብቲ መምሃሪ ክፍሊ ምስኣተዉ፡ ትሕዝትኡ እንታይ ይመስል ነይሩ?

ካሚል- እቲ ክፍሊ ጠቂሩ (ረሲሑ) ነይሩ። ኣነ ናብቲ ክፍሊ ክኣትው ከለኹ ድማ ኣብ ሞንጎ ህጻናት ተመሃሮ ግመል እመስል ነይረ።

[ሰሓቕ] ተምሃሮ ካብ መንበሮም ተሲኦም "ከመይ ሓዲሮም መምህር ኢሎምኒ። ብጣዕሚ ሰንቢደ. . . ርሂጸ። ሓደ ኢብራሂም ዝበሃል ካብ ኩሎም ተመሃሮ ዕብይ ዝበለ ተመሃራይ ነይሩ ምስኡ ከይደ ኮፍ ኢለ።

ኩሎም ተመሃሮ ናብቲ ጸሊም ሰሌዳ ምርኣይ ገዲፈም ገጾም መሊኦም ናባይ እናርኣዩ እቲ ክፍለ ግዜ ትምህርቲ ተዛዚሙ።

ቢቢሲ- ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ምስ መን ትጻወቱ? መሓዛ ነይርኩም'ዶ?

ካሚል- መሓዛ ኣይነበረንን። ሓንቲ ቶጎና እትበሃል ሩባ ስለዝነበረት ናብኣ ብምውራድ እናተሓጻጸብኩ'የ ግዜ ዕረፍቲ ዘሕልፎ ዝነበርኩ።

ቢቢሲ- ኣብ ክፍለ ግዜ ስፖርት ምስ ህጻናት ምጉያይ ኣይከበዶምን'ዶ?

ካሚል- ኣብ ስፖርት ምዝላል ዘሎ እዩ። ሓደ ተመሃራይ ይደንን'ሞ ካልኦት ብርእሲኡ ይዘሉ። ተሰሪዕና ኣነ ብግደይ ድንን ክብል ከለኹ፡ ኩሎም [ክዘሉ] ኣይከኣሉን። ሽዑ እቲ መምህር 'ደቅሰሎም' ኢሉኒ።

ዋላ ሓደ መዓልቲ ዩኒፎርም (ደንቢ ክዳን ተማሃሮ) ዘይተኸደንኩ፤ ስነስርዓት ሰልፊ ምስ ተመሃሮ ዘይተሰራዕኹ ተሪፈ ኣይፈልጥን። ደንጉየ ብምምጻእ ኣብ ማዕጾ ደው ከይበልኩ'የ ትምህርተይ ወዲአ።

ሼህ ካሚል ኣሊዩ ቃሲም ምስ በዓልቲ ገዝኦም

ምንጪ ስእሊ, Remedan Kamil

መግለጺ ስእሊ, ሸኽ ካሚል ኣሊዩ ቃሲም ምስ በዓልቲ ገዝኦም

ውድድር ኣብ ሞንጎ ኣቦን ወድን

ረመዳን ካሚል ምስ ኣቡኡ ይመሃር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ሞንጎኦም ከቢድ ውድድር ከም ዝነበረ ይዛረብ።

ተመሃሮ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቲ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኣቡኡ ብድሕሪት ኣብ ዝነበረ መንበር ኮፍ እናበሉ ካብ ክፍሊ ቀዳማይ ብምውጻእ ይሽለሙ ነይሮም።

"ንዓይ ቁልዕነት እናዕሸወኒ ኣቦይ በሊጹኒ" ክብል ነቲ ዝነበረ ኩነታት ይዝክር።

ኣቦን ወድን ኣብ ሓደ ክፍሊ ተማሂሮም፣ ብሓባር ኣጽኒዖም (ኣንቢቦም)፣ ዕዮ ገዛ ገዛ ዘሪሖም እዋን ፈተና ክበጽሕ፡ ዝበለጸ ውጽኢት ንምምጻእ ይወዳደሩ ነይሮም።

ናይ ሻምናይ ክፍሊ ክልላዊ ፈተና ወሲዶም ታሽዓይ ክፍሊ ናብ ጎባ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስኣተዉ ግን ኩሉ ታሪኽ ተቐይሩ።

ረመዳን ከም ዝብሎ ኣቡኡ ምስካልኦት ተመሃሮ ዓሪኾም። ንሱ'ውን ካልኦት መሓዙት ኣፍርዩ። እቲ ውድድር ብዝያዳ ኸረረ።

"ኣነ ሒሳብን ፊዚክስን ቀልጢፉ ስለዝርደኣኒ ኣቦይ ንክሕግዞ ይሓተኒ ነይሩ። ኣብ ሕዚ ኮይነ ክሓስቦ ከለኹ ሽዑ ትዕግስቲ ኣይነበረንን። ኣቦይ 'ንስኻ ዝፈለጥካዮ ንኻልእ ሰብ ክተረድእ ኣይትደልይን ዲኻ?' እናበለኒ ዝፍጠር ጭቕጭቕ ይዝከረኒ" ይብል።

ሽኽ ካሚል ወዶም ካብ ታሽዓይ ክፍሊ ንደሓር ቀዳማይ እናወጽአ ብውጽኢት ከም ዝበለጾም ይዛረቡ።

ሓደ ምሸት ክልቲኦም ኮፍ ኢሎም እናጽንዑ ከለዉ፡ ረመዳን ድቃስ ይመጽኦ። ኣቡኡ "ድቃስ መጺኣ ግዲ?" በልዎ።

ምስ ኣቡኡ ኣብ ውድድር ዝነበረ ረመዳን ብኒሕ 'ኣይ ኣይመጸንን" በለ። ግን ከኣ ኣይከኣለን፤ ድቃስ ምስኣዳፍኦ "ኪድ ደቅስ" ክብሉ ናብ ዓራቱ ሰደድዎ።

"ኮበርታ ተኸዲነ ተሓቢአ ክርእዮ ከለኹ ኮፍ ኢሉ የጸንዕ (የንብብ) ነይሩ" ይብል ረመዳን ነታ መዓልቲ ክዝክር ከሎ። ሽዑ ንሱ ብወላዲ ኣቡኡ ዝተስዓረ ስለዝመሰሎ ካብ ዓራቱ ተሲኡ ኣእጋሩ ናብ ማይ ኣሊኹ መጽናዕቱ ቀጸለ።

ሸኽ ካሚል "ሽዑ ተሲኡ ብምንባብ በሊጹኒ'ዩ" ይብሉ።

ኣብ ሻምናይ ክፍሊ ዝለዓለ ውጽኢት ብምምጻእ'ኳ እንተበለጽዎ፡ ኣብ ዓሽራይ ክፍሊ ግን ንሱ 3.6 ንሶም ከኣ 3.4 ከምጽኡ ክኢሎም።

ናይ መሰናድኦ ትምህርቲ ብምውዳእ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእትው ውጽኢት ስለዘምጽኡ፡ ሸክ ካሚል ናብ ዩንቨርሲቲ መደ ወላቡ፡ ረመዳን ናብ ኣርባምንጭ ኣትዮም።

ንሶም ማናጅመንት ንሱ ድማ ሃይድሮሊክ ኢንጂነሪንግ፡ ኣጽኒዖም።

ናብ መደወላቡ ዩኒቨርሲቲ ዝኣተዉ ሸኽ ካሚል ኣብ 2007 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ተመሪቖም። ሽዑ ረመዳን ገና ክልተ ዓመት ይተርፎ ነይሩ።

ዝለዓለ ውጽኢት ስለዘምጽኡ፡ ካልኣይ ዲግሪ ክመሃሩ ዕድል ረኺቦም፡ ኣብቲ ዩንቨርሲቲ ጸኒሖም።

ሼህ ካሚል ኣሊዩ ቃሲም (ጸጋም) ረመዳን (ካብ ጸጋም ሳልሳይ) በዓልቲ ገዝኦም (የማን)

ምንጪ ስእሊ, Remedan Kamil

ብ2009 ኣ.ኢ ካልኣይ ዲግሪ ምስወድኡ፡ ወዶም ረመዳን ቀዳማይ ዲግሪኡ ስለዝሓዘ፡ ጋውኖም (መመረቒ ክዳን) ተኸዲኖም ናብ ኣርባ ምንጭ ብምኻድ ንወዶም ኣመሪቖም።

'ብተመሳሰሊ ግዜ ትምህርቲ ጀሚርኩም፡ ኣቦኻ ቀዲሞምኻ" ምስ በልናዮ፡ እቲ ዝተሰምዖ ስምዒት ክሓብእ ኣይደለየን።

"እወ ንምንታይ ተቐዲመ ዝብል ስምዒት ኣሎ። ግን ከኣ ከም ዝበጽሖ እፈልጥ እየ። ድማ ኣቦ ስለዝኾነ፡ ውሉድ ንወላዲኡ ኣይቕድምን" ክብል ብሰሓቕ ዝተዓጀበ መልሲ ሂቡና።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ካልኣይ ዲግሪኡ ንምዝዛም፡ መመረቒ መጽናዕቱ ይሰርሕ ኣሎ።

ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዝነበረ ውድድር እናረኣዩ ዝዓበዩ ኣናኣሽቲ ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ኣብ ትምህርቲ ከም ዝነፍዑ ረመዳን ይዛረብ።