ኣብ ኢትዮጵያ፡ መእተዊ የኒቨርስቲ ብናይ መጀመርታ ክልተ መዓልቲ ፈተና ጥራይ ክኸውን ተወሲኑ

ድሕሪ ዕረፍቲ ማለት'ውን ሰኑይን ሰለሱን ኣብ ዘተወሰዱ ፈተናታት ጉሕለት ተፈጸሙ
Published

ኣብ ኢትዮጵያ፡ መእተዊ የኒቨርስቲ፡ ብውጽኢት ኣብ መጀመርታ ክልተ መዓልታት ዝተወሰዱ ፈተናታት ጥራይ ክኸውን ተወሲኑ።

ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን ፈተና 12 ክፍሊ፡ ኣብ ዳሕረዎት መዓልታት ኣብ ዝተወሰዱ ፈተናታት ምትላል ስለዝተፈጸመ እቲ ውጽኢት ክወድቕን፡ ውጽኢት ፈተና ናይ መጀመርታ ክልተ መዓልታት ጥራይ ክውሰድን ከምዝተወሰነ፡ ሚኒሰተር ዲኤታ ትምህርቲ ደ/ር ገረመው ሆሊቃ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ ናይ ሎሚ ዘበን ፈተና 12 ክፍሊ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መእተዊ ዩንቨርሲቲ፡ ብውጽኢት ዓይነታት ትምህርቲ እንግሊዝኛ፡ አፕቲቲውድ፣ ሒሳብ (ቁጽሪ)፣ ጂኦግራፊን ፊዚክስን ጥራይ ክኸውን እዩ ተወሲኑ።

ውጽኢት ኣብቶም ዝተረፉ ክልተ መዓልታት ዝተወሰዱ ፈተናታት ግን ውዱቕ ኮይኑ ኣሎ።

ክልላት ኦሮምያን ትግራይን ኣብ ውጽኢት ፈተና 12 ክፍሊ ዘለዎም ቅረታ ብወግዒ ምግላጾም ዝዝከር እዩ።

ብፍላይ ክልል ትግራይ፤ "ኣብ ገለ ከባብታት ኢትዮጵያ፡ ብግልጺ ምቅድዳሕን ካልኦት ዘይግቡኣት ተግባራትን" ከምዝተፈጸሙ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብደቂቕ ንኽጻረ ሓቲቱ ነይሩ።

ሚኒሰተር ዲኤታ ትምህርቲ ደ/ር ገረመው ሆሊቃ ንቢቢሲ ከምዝገለጹዎ "ዓቕሚ ዘይብሎም፡ ብዘይ ኣግባብ ልዑል ነጥቢ ዘምጽኡ ተምሃሮ፡ ናይ ካልኦት ዕድል ስለዝዓጽዉ እዩ ናብዚ ውሳነ ተበጺሑ" ኢሎም ንቢቢሲ።

"ድሕሪ ዕረፍቲ፡ ማለት'ውን ሰኑይን ሰሉስን ዝተውሃበ ኩሉ ፈተና ውዱቕ ክኸውን ከምዘለዎ እዩ ዘርእይ" ኢሎም እቶም ሚኒስትር ዲኤታ።

"ኣብታ ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ልዑል ውጽኢት እዩ መጺኡ። ናብ ዩኒቨረስቲ ብውድድር ኣብ ዝእተወሉ ግዘ፡ ከምዚ ዓይነት ዓቕምን ክእለትን ዘይብሎም ተምሃሮ፡ ናይ ካልኦት ንፉዓት ዕድል እዮም ዓጽዮም ነይሮም። በዚ ምኽንያት ጽፈት ትምህርቲ እዩ ዝጎድል፡ ሃገር ድማ ትህሰ" ኢሎም ዶ/ር ገረመው።

ኣብቶም ናይ መጀመርታ ክልተ መዓልታት ኣብ ዝተወሰዱ ፈተናታት ግና፡ እዚ ጸገም ከምዘይተርኣየ ይገልጹ።

ስለዝኾነ፡ ተምሃሮ በዞም ናይ ትምህርቲ ዓይነታት ተለኪዖም ናብ ላዕለዋይ ብርኪ ትምህርቲ እንተሓሊፎም 'ምኽንያታውን ፍትሓውን' ከምዝኾን ይዛረቡ።

ቤት ጽሕፈት ኤጄንሲ ምዘና ተምሃሮን ፈተናን

ምንጪ ስእሊ, NEAEA

ኣብዚ ንኣስታት ክልተ ሰሙናት ዝተገብረ ምጽራይ፡ ክልላት'ውን ብተወከልቶም ክሳተፉ ከምዝተገብረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ምስጢራዊነት እቲ ፈተና ኣይተሓለወን ንዝብል፤ ነዚ ዘጻሪ ብቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒሰተር ዝምራሕ ኮሚቴ ከምዝቖመን፡ እዚ ጸገም ንክፍጸም ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ተሳትፎ ንዝነበሮም ኣካላት ከምዘቃልዕን ተዛሪቦም።

"እቲ ጉዳይ ምስተጻረየ ኣብቲ ፍጻመ [ምትላል] ኢዶም ኣብ ልዕሊ ዝሓወሱ ኣካለት ግቡእ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ" እውን ኢሎም።