50 ዶላር ዝሰረቐ ሰብ፡ ድሕሪ 36 ዓመታት ማእሰርቲ ተለቒቑ

ምንጪ ስእሊ, CBS
Published
ኣብ ኣላባማ ክፍለ ሃገር ኣመሪካ፡ 50 ዶላር ብምስራቑ ንሕልፈት ተፈሪዱ ዝነበረ መንእሰይ ድሕሪ 36 ዓመት ማእሰርቲ ብትእዛዝ ቤት-ፍርዲ ተለቒቑ።
እዚ ኣልቪን ከናርድ ዝተባህለ ሕጂ ወዲ 58 ዓመት ዘሎ ሰብኣይ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ 1970 ንሰረቕቲ ንምግታእ ተባህሉ ዝተኣታተወ ዘየናሕሲ ሕጊ እዩ ተኣሲሩ።
እቲ ውሳኔ ቤት ፍርዲ፡ ንስድራቤቱ፣ አዕሩኽቱን ፈተውቱን ክቱር ተሕጓስ ኣሕዲሩሎም ኣሎ። ጠበቓ ኣልቪን ከናርድ እቲ ብይን ንዓሚላ ካብ መጠን ንላዕሊ ከምዘሐጎሶ ሓቢራ።
ንሱ፡ ናብቲ ናይ ቀደም ስራሕ ጽርበት ዕንጸይቲ ተመሊሱ ክሰርሕ ድልየት ከምዘሎዎ ገሊጹ።
ኣልቪን ከናርድ፡ ኣብ 1983፡ ወዲ 22 ዓመት እንከሎ፡ ዋላኳ ሰብ እንተዘይጎድአ ብካራ ኣፈራሪሑ'ዩ ኣብ እንዳ ባኒ ኣቲዩ 50 ዶላር ሰሪቑ። ብሳዕቤኑ ከኣ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱዎ።
ቀይሕ ማልያ ተኸዲኑ ናብ ቤት-ፍርዲ ዝመጽአ ኣልቪን ከናርድ፡ ነቲ ዳኛ፡ በቲ ዝፈጸሞ ተግባር ምሉእ ሓላፍነት ከም ዝወስድ ሓቢሩዎ።
እቲ ዳኛ ክፈትሖ ምስ ወሰነ ከኣ ስድራቤቱን አዕሩኽቱን፡ ብታሕጓስ ነንሕድሕዶም ተሓቋቘፎም።
ጓል ሓው ፓትሪሻ፡ በቲ ብይን ምሉእ ስድራቤት ብታሕጓስ ከም ዝበኸየ ሓቢራ። ንሳ፡ " ንልዕሊ 20 ዓመት መዓስ ኮን ይፍታሕ ይኸውን ኢልና ንዛረብ ኔርና" ትብል።







![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
