ኣብ ከተማ ጆሃንሰበርግ ኣብያተ ንግዲ ወጻእተኛታት ተዘሚቱ

ኣብ ነሓሰ 2018 ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ዘርኢ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ሓደ ኣመት'ውን ኣብ ሰዌቶ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ንብረቶምን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲን ዝምታን ተኻዪዱ ነይሩ
Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ከተማ ጆሃንሰበርግ ገለ ነበርቲ ክፍለከተማ ሰዌቶ፡ ናይ ወጻእተኛታት'ዩ ዝበልዎ ኣብያተ ንግዲ ክዘምቱ ከም ዝሓደሩ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እቲ ዝተዘምተ ደንኳን ስደተኛታት ዝውንንዎ ኸይኑ፡ መበገሲኡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጽልኢ ወጻእተኛታት [ዜኖፎቢያ] ምዃኑ ይንገር።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ፓሊስ እታ ሃገር፡ ዘይሕጋዊ ኣቑሑት ይሸጡ ኣለው ብምባል ንሓያሎ ትካላት ስደተኛታት ክወሩ ተራእዮም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን ሂወት ስደተኛታት ዝቐዘፈ መጥቃዕትታትን ዝምታን ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ተኻዪዱ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ስርቆትን ዘመተን ረቡዕ ከምዝጀመረ ድማ ታይምስላይቭ ዝተብሃለ መራኸቢ ብዙሃን ሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር ካብ እዋን ናብ እዋን ኣብ ልዕሊ ወጻእተኛታት ሕልፍ ዝበለ ጽልኢ እናተፈጠረ ከምዝመጽአ ይዝረብ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብወጻእተኛታት ዝውነኑ ድንኳናት እዋኖም ዝሓለፎም ፍርያት ይሸጡ ኣለው ብዝብል ውንጀላ ተለዓዒሎም ብዙሓት ስደተኛታት ግዳይ እዚ ጥቕዓት ኮይኖም እዮም።

ኣብ ትዊተር #Sowetolooting ብዝብል መለለዪ ጎስጓስ ክወዓዋዕ ዝተስተውዓለ እንትኸውን፡ ብርክት ዝበሉ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዝተፈላለዩ ስብርባር ኣቑሑት ብምልጣፍ ነቲ ተግባር ኮኒኖሞ።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ግዳይ እዚ መጥቃዕቲ ካብ መንጎ ዝኾኑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ይርከቡዎም።

ነቲ ጽልዒ ዘሳውሩን፡ ናብ መጥቃዕቲ ከሰጋገር ዝገብሩን ኣብ ታሕተዋይ ጽፍሒ ምምሕዳር እታ ሃገር ዘለዉ ፓለቲከኛታት ምዃኖም፡ መጽናዕቲ ማእከል መጽናዕቲ ስደተኛታትን ሕብረተሰብን ኣፍሪቃ (ACMS) ዝተባህለ ትካል ዩኒቨርሲቲ ቪትቨተርስራንድ የረድእ።