ናይጄሪያ፡ ፕሬዝደንት ቡሃሪ መግቢ ካብ ደገ ከይኣቱ ከልኪሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ናይጄሪያ መሓመድ ቡሃሪ፡ ካብ ደገ መግቢ ንምምጻእ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንዝሓቱ፡ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ከይወሃቡ ናብ ማእከላይ ባንኪ እታ ሃገር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ክዕቀብን ብጽኑዕ ኣብ ግቡእ ክውዕልን ብምሕባር፡ ካብ ደገ መግቢ ምምጻእ ንተጸባይነት ዘተባብዕ'ዩ ኢሉ።
'ካብ ደገ መግቢ ከምጽእ ንዝሓትት ሳንቲም ከይትህብዎ" ከም ዝበለ'ውን ሮይተርስ ሓቢሩ።
እዚ ውሳነ፡ ፍርያምነት ውሽጢ ዓዲ ንምዕባይ ዝሕግዝ'ዩ እኳ እንተተብሃለ፡ ብኣብዝሓ ካብ ጎረቤት ሃገር ቤኒን ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣቱ ሩዝ ክበራኸት ግን ምኽንያት ምኻኑ ይግለጽ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ እቲ ማእከላይ ባንኪ፡ ጸባ ዘእትዉ ሰባት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ከይረኽቡ ከልኪሉ'ዩ። እቲ ባንኪ ናጻ ትካል ክነሱ ብኸመይ ትእዛዝ ፕሬዝደንት የፈጽም ኣሎ ዝብል ግን ንጹር ኣይኮነን።
በዚ ውሳኒኡ እንተቐጺሉ፡ ዋጋ መግቢ ክንህር፣ ኣምጻእቲ ሰብ ሃብቲ ድማ ካልእ ምንጪ ሸርፊ ወጻኢ [ብኣውርኡ ካብ ጸሊም ዕዳጋ] ክረኽቡ ክፍትኑ'ዮም ተባሂሉ ይግመት።
ብዙሓት ናይጄሪያውያን፡ ንኸምዚ ዓይነት ፖሊሲ ብተደጋጋሚ'ዮም ዝነቕፍዎ።
ናይጀሪያ ዝዓበየ ቑጠባ ካብ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ'ኳ እንተኾነት፡ ኣስታት 200 ሚሊዮን ህዝቢ ዝቕልብ መግቢ ግን ካብ ወጻኢ'ያ ተእቱ።
ኣብዚ ዓመት ንኻልኣይ እብረ ዝተዓወተ ቡሃሪ፡ ቑጠባ እታ ሃገር ንምዕባይ መብጽዓ ኣትዩ እዩ።
ሰደድ ካብ እትገብሮ ኢንዳስትሪ ነዳዲ ዝለዓለ እቶት እትረክብ ናይጄሪያ፡ ገንዘባ ካብ ወጻኢ ኣብ እተእትዎ መግቢን መሰረታዊ ሸቐጣትን ገዘፍቲ ማሽነሪታትን እያ ተውዕሎ።












![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
