ሊብያ፡ ብምኽንያት ዒድ ኣልኣድሓ ንሰለስ መዓልታት ቶኵሲ ደው ከብሉ ተሰማሚዖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
Published
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ሓይልታት ብምኽንያት ዒድ ኣልኣድሓ ግዝያዊ ናይ ቶኵሲ ደው ምባል ስምምዕ ብምግባሮም ናእድኡ ገሊጹ።
እዚ ድሕሪ እቲ ብቀዳም ኣብ ቤንጋዝ፡ ሞት ሰለስተ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ዘስዓበ መጥቃዕቲ ቦምባ እዩ ዝኸውን ዘሎ።
እዚ ግዝያዊ ቶኵሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣብ ሞንጎ እቲ ብዓለም ኣፍልጦ ረኺቡ ዘሎ መንግስትን ብጀነራል ካሊፋ ሓፍታር ዝምራሕ ተቃዋሚ ጉጅለን እዩ ተኻይዱ።
ሓይልታት ጀነራል ሓፍታር፡ ካብ ወርሒ ምያዝያ ጀሚሮም ንርእሰ ከተማ ሊብያ ዝኮነት ከተማ ትሩፑሊ ንመሓዝ ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ኵናት ልዕሊ 1000 ሰባት ከም ዝሞቱ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።
ወሃቢ ቃል ሓይልታት ጀነራል ሓፍታር ዝኮነ ኣሓማድ መስማሪ፡ ሓይልታቶም ነዚ ግዝያዊ ቶኵሲ ደው ናይ ምባል ዝተሰማምዕሉ "ህዘቢ ሊብያ ነዚ ዒድ ኣልኣድሓ ብሰላም ከህልፎ" ኢሎም ከም ዝኾኑ ገሊጹ።
እቲ ግዝያዊ ተኵሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ፡ ካብ ቀዳም ሰዓት 3 ስሕሪ ቀትሪ ብኣቆጻጽራ ሊብያ ክሳብ ሰኑይ ሰዓት ሰለስተ ድሕሪ ቀትሪ ከምዝኾነ'ውን እቲ ወሃቢ ቃል ሓቢሩ።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

